Sunday , May 12 2024

ምኽርታትን ኣገባባትን ምክልኻል ኮሮኖ ቫይረስ።

ብመስረት ሰብ መዚ ጥዕና ዓለም ነዚ ስጋብ ሕጂ ዝኾነ መድሃኒት ዘይተረኽቦን ብ ቕልጡፍ ኣብ መላእ ዓለም ዝልባዕ ዘሎ ኮርነ ቫይረስ ንምኽልካሉ ነዞም ዝስዕቡ ምኽርታት ክንስዕብ ሰብ ሞያ ጥዕና ምኽሮም ይልግሱ።

* ኮረና ቫይረስ ናይ ምጥቃዕ ባህሪኡ ኣብ ጎሮር ዝጅሚር ኮይኑ ጎሮሮና ብዝተኻእለ መጠን ምጥላል (ምትርካስ)። ዝኾነ ጽምኢ ወይ ድርቐት ጎሮሮ ኣብዝስምዓና ብተዃእለ መጠን ማይ ምስታይን ንጽምኢ ክንጻወሮ ዘይምፍታን። ምኽንያቱ ቀጸላ ጎሮሮና ክነቅጽ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ እቲ ቫይረስ ብቕልጡፍ ኣብ ውሽጢ 10 ደቒቕ ዘይኣክል፡ ናብ ኣካላትና ክወርር ይከኣል እዩ።

* ሓንቲ ቢኬሪ ልብጥ ዝበለ ማይ በሓንሳብ ዘይኮነስ እንዳጸናሕካን ብምድግጋም ምስታይ።

* ኣብ ደገ ወይ ኣብዚኾነ ስብ ብብዝሒ ዝእከበሉ እንተጸኒሕና የእዳውና ብጉብእ ብሳሙና ምሕጻብን ኣፍንጫካ ኮነ የዕንቲኻ ማይ ከየተሓጸብካ ዘይምትንካፍ። * ኣብ ንስዕለሉ ኾነ ነሕንጥሰሉ ኣፍናን ኣፍንጫናን ምሽፋን።

* ኣብ መደበራት ባቡርን ህዝባዊ መጓዓዝያን፡ ኣፍና ዝሽፍን ማስክ (mask) ንጠቐም።

* ስበ ስልጣን ጥዕና ከምዝሓበርዎ ስጋብ ሕጂ ብዝኾነ ዓይነት መግቢ ወይ ዝኾነ ዝተዓሸገን ንብረት ኮነ ብ ፖስታ ዝልኣኽ ከምዘይምሓላለፍ ይሕብሩ።
ብተወሳኺ ካብዞም ዝስዕቡ ዝኾነ ምልክታት ምስ ዝርኣየኩም ናብ 1177 ክትድውሉ ወይ ናብ ቐረባኹም ዝኾነ ክሊኒካት ምኻድ። 

1፡ ተደጋጋሚ ረስኒ

2፡ እተናውሐ ሰዓል፡ ካብ ሰዓል ስዒቡ ማለት እዩ።

3፡ ዓበይቲ፡ ካብ ሕማም ርእሲ ጀሚሩ፡ ቀጨውጨውን ምስ ምትንፋስ ዝተሓሓዝ ስምዒታትን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com