Sunday , May 12 2024

ምኽርታት ኣንድሽ ቲግኒል ብምኽንያት በዓል ልደት

ጽምብል በዓል ልደትን ክሪስማስን ምስ ውሑዳትን ትፈልጥዎም ሰባትን ክተሕልፉ ይግባእ ዝበለ ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ለበዳ፡ ኣንዲሽ ቲግኔል፡ ብፍላይ እቶም ብኮሮና ተለኺፎም ዝነበሩ ሰባት፡ ጸረ ኣካል ኣማዕቢልና ኢና ብምባል ምስ ዝደለይዎ ሰብ ክራኸቡ ከይፍትኑ ኣዘኻኺሩ።

ጸረ ኣካል ዘማዕበለ ሰብ፡ ዝደለዩ ክገብር ይኽእል ማለት ኣይኮነን ክብል ቲግኔል ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝካየዶ ርክብ ገሊጹ።

ኣብ ምጽንባል በዓል ልደትን ክሪስማስን፡ ሰባት፡ ብዝተኻእሎም መጠን፡ ካብ ማሕበራዊ ምርኻብ ክውገዱን ምስ ዘይፈልጥዎም ሰባት ምትሕውዋስ ክቑጠቡ ይግባእ ድሕሪ ምባል፡ ቲግኒል፡ እቶም ብበዓል መዚ ጥዕና ዝተመሓላለፉ መምርሒታት ግብራውያን ከምዘለዉ ኣዘኻኺሩ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com