Friday , April 26 2024
Foto Instagram/TT

ሮናልዶ 18 ሽሕ ፓውንድ ን ሰራሕተኛታት ሞቑሹሽ ሂቡ!!

ህቡብ ፖርቱጋላዊ ተጻዋታይ ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ግሪኽ ኣብ ምዝናይ ይርከብ። ንሓንቲ ለይቲ 7 ሽሕ ፓውንድ ኣብ ዝኽፈሎ ሆቴል ምስ ዓርኩ ጆርጂና ሮድሪገዝ ከምኡ ድማ ኣርባዕተ ደቁ ኣዕሪፉ ዝርከብ ሮናልዶ፡ ኣብ ዓይኒ ሓደ ዓሚል መሲሉ ግን ከኣ ተጸናጻኒ ብዓል ካሜራ ምእታዉ ድሕሪ ምፍላጡ፡ ንሰራሕተኛታት ናይቲ ሆቴል 18 ሽሕ ፓንውድ መቝሽሽ ሂቡ ካብቲ ሆቴል ከምዘባረሮ እስጳኛዊት ጋዜጣ ኤኤስ ኣፍሊጣ።

እቲ ብዓል ካሜራ፡ ቅድሚ ምብራሩ ንዝሰነዶ ስእልታት ክሸይጥ ምስ ገለ መራኸቢ ብዙሃን ርክብ ከምዘካየደ እቲ ምንጪ የረድእ። ሮናልዶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ምስ ክለቡ ጁቬንቱስ ኣብ ዝተሰለፈለን 43 ጸወታታት 28 ሸቶታት ኣመዝጊቡ። ንዘውዲ ሰረ’ኣ ዝደፍአ ሮናልዶ፡ ዋንጫ ሱፐር ኢጣልያ እውን ክዓትር ክኢሉ እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ 158 ጸወታታት 88 ሸቶታት ንፖርቱጋል ብምብርካቱ ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶታት ክብረወሰን ሃገሩ ሒዙ ዝርከብ ሮናልዶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ፖርቱጋል ዋንጫ ኔሽንስ ሊግ ከተልዕል ዓቢ ኣስተዋጽኦ ምግባሩ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com