Friday , April 26 2024

ሰሜናዊ ምንቅስቓስ ናዚ፡ ኣብ ካርልስታድ ዝርከባ ቤት ትምህርታት፡ ታዕሊም ናይ ቅልስ ስነጥበብ፡ ኣዳልዩ

ሰሜናዊ ምንቅስቓስ ናዚ፡ ኣብ ካርልስታድ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ሾፕካሽኩላን (kroppkarrlsskolan) ኣብ ዝርከብ ኣደራሽ ስፖርት፡ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል፡ ታዕሊም ናይ ቅልስ ስነጥበብ፡ ከምዘካየደ ተፈሊጡ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሓደ ሰብ፡ ነቲ ኣደራሽ ሓዚኡ ብዘይ ኣፍልጦ ናይታ ምምሕዳር ከተማ ነቲ ምንቅስቓስ ብምሃቡ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ምምሕዳር እታ ከተማ፡ እቲ ኩነታት ድሕሪ ምፍላጡ ተቐላጢፉ ደው ከምዘበሎምን ኣብ ቀጻሊ፡ ከምዚ ዓይነት ጉድለት ንኸይፍጸም ክሰርሕ ምዃኑን ሓቢሩ።

እዚ ዝተኻየደ ፍጻሜ፡ ብጣዕሚ ረባሽን ኣሻቓልን እዩ ክትብል ኣብ ምምሕዳር ከተማ ካርልስታድ፡ ሓላፊት ኮሚቴ ባህላውን ኣዘናጋዕን ንጥፈታት፡ ዮሃን ላርሾን ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com