Friday , May 10 2024

ሰብ ሓዳር ደቀንስትዮን ድቃስን

“ስራሕ ጓለንስተይቲ ኣይውዳእን እዩ” ዝብል ኣበሃህላ ክንሰምዕ እንከለና፡ ክብደት ናይቲ ኣብ ዝባን ደቀንስትዮ ዘሎ ድርብ ጾር ዝገልጽ ብቑዕ ኣበሃህላ ምዃኑ ኢና እንርዳእ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘቤታውን ናይ ደገን ስርሓት ከኣ፡ ብሰንኪ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ቁጠባውን ሃስያትትን ብስጭትን ዝለዓል ስነኣእምሮኣዊ ነውጽን ጭንቀትን የስዕብ’ሞ፡ እኹልን ጥዕና ዘለዎን ልዋም ድቃስ ከሊኡ፡ ብዝያዳ ኣብ ህይወታን ሓዳራን ኣሉታዊ ጽልዋ ይፈጥር። ሰብ ሓዳር ደቀንስትዮ፡ ግቡእ ድቃስ ምስ ዝስእና ወይ ድቃስ ምስ ዝኣብየን፡ ስዒባ ኣብ እትርከብ መዓልቲ፡ ኣብ ሓዳረን ብዙሕ ጸገም ከም ዝፍጠር እዮም ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብዚ መዳይ ብተደጋጋሚ ዝተገብሩ መጽናዕትታት ምርኩስ ብምግባር ዝሕብሩ።

እቶም መጽናዕቲታት፡ ንደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብምውድዳር፡ ደቂ ተባዕትዮ ሰብ ሓዳር ብኣንጻሩ፡ ምስ ድቃስ ዝተኣሳሰር ኣብ ዝዀነ ይኹን ጉዳያት፡ ኣብ ዘለዎም ዝምድናታት ሓዳር፡ ወላ ሓንቲ ጸገም ከም ዘየምጽኣሎም እዮም ዘረድኡ። ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብ (Health Day News) ኣብ ከተማ ሚነፖሊስ (Minneapolis) ዝወጸ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ክኢላታት ን35 መጻምድቲ፡ ንኣስታት ዓሰርተ ለይቲታት ኣብ ሓፈሻዊ መዓልታዊ ምንቅስቓሳቶምን ኣደቓቕሳኦምን ብምምርማርን ብምክትታልን ጽዑቕ ስራሕ ብምስራሕ ኣብ ዝረኸቡዎ ርኽበት፡ እተን ድቃስ ዝስእናን እኹል ድቃስ ዘይረኽባን ደቀንስትዮ፡ ንጽባሒቱ ኣብ ተገባብሮ ሓዳረን ብኣሉታ ከም ዝጽለዋ ይገልጽ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፒቲስበርግ፡ ቤት ትምህርቲ ሕክምና እትምህርን ተሓጋጋዚት ፕሮፈሰር ናይቲ መጽናዕቲ ዝነበረትን “ወንዲ ትሮክሰል” ዝተባህለት፡ “እቲ ርኽበት ደቀንስትዮ ብሰንኪ ዘጋጥመን ድቃስ ምስኣን፡ ኣብ ሓዳረንን ምስ በዓል ቤተን ዝህልወን ርክብን ዝምድናን ብኣሉታ ከም ዝጸልወን፡ ብኣንጻሩ ግና ደቂ ተባዕትዮ መጻምድቲ እኹል ድቃስ ምስ ዘይረኽቡ ኣብ ሓዳሮም ዘጋጥም ብዙሕ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘየለ ዘርኢ እዩ” ክትብል እያ እትገልጽ። ትሮክሰል ወሲኻ፡ ደቀንስትዮ መጻምድቲ ብሓፈሻ ኣብ ዝምድና፡ ብዝያዳ ገለጽትን ስምዒታዊ ሃዋሁው ዝፈጥራን ብምዃነን፡ እኹል ድቃስ ምስ ዘይረኽባ ብቐሊሉ ብጸቕጥን ወጥርን ክጥቀዓ ዘለወን ተኽእሎ ዓቢ ምዃኑ ትገልጽ’ሞ፡ ቀጺላ ብፍላይ ንስምዒታተን ብቓላት ስለ ዘይገልጻ፡ ክሓርቃን ብቐሊሉ ኣብ ሓዳረን ብኣሉታ ክጽለዋን ከም ዝኽእላ ተረድእ።

ወላ’ኳ እዘን መጻምድቲ ብሰንኪ ምስኣን ድቃስ ንሓዳረን ብኣሉታ ዝጸልዋ እንተዀና፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ምስኣን ድቃስ ግን ብዓቢኡ ኣብቲ ሓዳር ዝፍጠሩ ጸገማትን ጭንቀታትን እዮም። ዶክተር ክለተ ኤ ኩሺዳ፡ ዳይረክተር ናይቲ ምስ ደቂ ሰብን ድቃስን ዝተኣሳሰር ጉዳያት መጽናዕቲ ዘካይድ ትካል ዝዀነት’ውን፡ እዚ ርኽበት ምስ ዝምድናታት መጻምድትን ሓዳርን ዝተኣሳሰር ብምዃኑ ብምግላጽ፡ ፍሉይ ርኽበት ምዃኑ እያ ኣብ መጠረሽታ እትሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com