Friday , April 26 2024
Bilden är arrangerad. Foto: Ehwa Lindström / Sveriges Radio

ሽወደናዊ ትካል ክንክን ጥዕና ድሕሪ ዝመጾ ምቅላዕ መርመራ ምጅማሩ ተገሊጹ።

ኩባንያ ክንክን ጥዕና GHP ኣብ ኢማራት ዓረብ ዘለዋ ሆስፒታላት ዘሎ ኣገባብ ሰብኣዊ መሰላት ከመይ ምዃኑ ዝከታተል ሳልሳይ ኣካል ክረቁሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ካሊበር ዝተባህለ መደብ ኣብ ረድዮ ሽወደን ድሕሪ ዘውጽኦ መቃልዒ ጸብጻብ ምዃኑ ይንገር ኣሎ።

ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ጸብጻቡ ካሊበር ዘይተመርዓዋ ደቅርንስትዮ ብጒዳይ ጥንስን ሕርስን ዝተላዕለ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣትዋ ምህላወን፡ ምኽንያቱ ድማ ስጋዊ ርክብ ቅድመ-መርዓ ብሕጊ ክልኲል ብምዃኑ እዩ ክብል ሰፊሕ ሽፈነ ምሃቡ ይዝከር።

እቲ ኩባንያ ብ ኢሜይል ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ሳልሳይ ኣካል ብምቚጻር ብመሰረት ሕጊታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ገምጋም ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።

ካብ 2016 ጀሚሩ ኩባንያ ክንክን ጥዕና ሽወደን GHP ኣብ ኢማራት ዓረብ ክነጥፋ ምጽንሐን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com