Friday , May 10 2024

ሽወደን፡ ናይ ክታበት መድሃኒት ንምውናን ኣህጉራዊ ክኢላ ትመዝዝ

መንግስቲ ሽወደን ንኣማኻሪ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ነበር ሪቻርድ በርግስትሮም ከም ኣዋሃሃዲ መድሃኒት ኮሮና ኮይኑ ንኽዓዪ ከም ዝመዘዞ ተፈሊጡ። ንሱ ሽወደን መድሃኒት ኮሮና ንምውናን ዘኽእላ ውጥን ቢዝነስን ሕጋዊ ጉዳያትን ንኸጻፍፍ ተባሂሉ ዝተመዘዘ እዩ ክብል ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ።

በርግስትሮም ምስ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሊና ሃሊንግረን ብምዃን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዚ ተልእኾ ሕልኽልኽ ዝበለ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ሓላፍነት ናይ መንግስቲ ሽወደንን ነዚ ዕማም ንምትግባር ተመዲቡ ዘሎ ኣካል፡ ንሽወደን ዝኸውን ክታበት ንምርካብ እዩ ክትብል ሃሊንግሪን ሓቢራ።

በርግሰን ኣብ ብርክት ዝበላ ትካላት መድሃኒት ዝሰረሐን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ምክትል ፕረሲደንት ኮሌጅ ካሮሎንስካ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ እዩ። ስፍሕ ዝበለ ናይ ስራህ መርበባትን ብኣህጉራዊ ደረጃ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመክሮ ኣፋውስን ዘለዎ ክኢላ ብምዃኑ ነዚ ዕማም ንኽፍጽም ብቑዕ ይገብሮ።

በርግስትሮም፡ ንሽወደን ዓላማኣ ንኽትወቅዕ ምሕጋዝ ግቡኡ ምዃኑ ከም ዝኣምን ድሕሪ ምግላጽ እዚ ለበዳ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ኣስፋሕፊሑ እንተዝነብር እቲ ህልቂት ኣዝዩ ዝኸበደ ምኾነ ኢሉ። ሕጂ ግና ቅድሚ 30 ዓመት ዘይሕሰብ ዝነበረ ምትሕግጋዝ ትካላት መድሃኒት ይረአ ምህላዉ ነቲ ሓደጋ ኣጓዲልዎ እዩ። በዚ ድማ እንተነውሐ ክሳብ ቀውዒ ናይ ዝመጽእ ዓመት ክታበት ኮሮና ክመሃዝ ከምዝኽእል እምንቶ ኣለኒ ክብል ገምጋሙ ገሊጹ።

 ሽወደን ክታበት እዚ ሕማም ኣብ ምርካብ ብዛዕባ ዘጋጥማ ብድሆታት ኣመልኪቱ ድማ በርግስትሮም “ነዚ ሕማም ብህጹጽ ክትባት ምርካብን ከም ኣባል ግሎባላዊ፡ ኣውሮጳዊን ሰሜናዊን ምትሕግጋዝ መጠን ዘሎ ሚዛን ምሕላው እዩ። በዚ ድማ’የ ሕልኽልኽ ዝበለ ዕማም እዩ ተዋሂብኒ ዝበልኩ።

 ሃሊንግረን፡ ክታበት ንምምዕባል ካብ 10-15 ዓመታት ከም ዘድሊ እኳ እንተገለጸት ሓደ ዕሽሪት እዚ ግዜ ጥራይ እኹል እዩ ዝብል ርእይቶታት ከም ዝዕብልል እዩ ዝፍለጥ። ብዘይካዚ ንሳ እዚ ክታበት ቀልጢፉ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብላን ህዝቢ ኣድላይ ዘበለ መምርሒታት ምትግባሩ ክቕጽልን ኣተሓሳሲባ።

 ሕብረት ኣውሮጳ ኣገዳሲ መሻርኽትና እዩ ዝበለት ሃሊንግረን እንተኾነ ግና ሽወደን ዝግባኣ ናይ መከላኸሊ ናውቲ ከም ዘይመጻ ጠቒሳ።

መንግስቲ ሽወደን ንበዓልመዚ ጥዕና ናይ ክልተ ቢልዮን ክሮነር ገንዘባዊ ፈሰስ ክገብረሉ ወሲኑ ኣሎ። በዚ ድማ ሽወደን ብዝቐልጠፈ ግዜ ክታበት ኮሮና ውሑስ ክትገብር ትኽእል እያ ዝብል ተስፋ ኣሎ ኢላ።

ሽወደናዊ ብሪጣንያዊ ኩባንያ ኣስትራዜነካ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ምስ ሃገራት ኣውሮጳ ናይ 400 ሚልዮን መድሃኒት ክታበት ንኸቕርብ ውዕል ምኽታሙ ይዝከር። ሽወደን ምስዚ ኩባንያ ካልኦት ኩባንያታትን ንጉዳይ ናይ ክታበት መድሃኒት ብዝምልከት ኣብ ዘተ ምህላዋ ሃሊንግሪና ብተወሳኺ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com