Sunday , May 12 2024

ሽወደን ኣብ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ሞባይል ምጥቃም ክትእግድያ

Credit: Henrik Montgomery

መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ካብ ሞባይል ነጻ ክግበራ ምዃነን፡ ድሕሪ ደጊም ኣብ ክሊ ዕድመ 7-16 ዘለዉ ተማሃሮ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ሞባይሎም ክጥቀሙ ክፍቀደሎም ዘይምዃኑን መንግስትን ሰልፊ ዲሞክራትናን ገሊጾም። ሚኒስተር ትምህርቲ ሎታ ኤድሆልም፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ፒሳ፡ ውጽኢት ተማሃሮ ሽወደናውያን ከንቈልቊል ካብ ዝገበሩ ረቑሒታት ሓደ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ሞባይላት ምዃኑ ገሊጻ’ላ። ተመሃሮ ኣብ መስርሕ ምስትምሃር ብሞባይላቶም ኣቓልቦኦም ይስረቕ ምህላዉ ከም ዓብዪ ኣሉታዊ ተርእዮ ተጠቒሱ’ሎ። በዚ ድማ ተመሃሮ ናብ ክፍሊ ኣብ ዝኣትዉሉ ግዜ ሞባይሎም ከረክቡ፡ ድሕሪ ምውዳእ ትምህርቲ ከኣ ክምለሰሎም ክግበር እዩ። ይኹን እምበር፡ ማሕበር መምህራን ስቨሪጅስ ላራረ እዚ ኣገባብ ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፡ ሞባይል ንእሽቶ ክፋል ናይዚ ህሉው ጸገም ጥራይ እዩ ትብል። እዚ ጒዳይ ኣጠቓላሊ መርመራ ይደልዮ እዚ ዝበለት ላራሪ እዚ ሕጊ ጸዲቑ ተግባራዊ ክሳብ ዝኸውን ሓደ ዓመት ኣቢሉ ክወስድ ከም ዝኽእል ወሲኻ ኣመልኪታ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com