Friday , April 26 2024

ሽዱሽተ ሰባት ንሓንቲ ሰበይቲ ብምስቓይ ተኸሲሶም።

ቤትፍርዲ Lund ኣብ Hoor ምምሕዳር ከተማ Sakunah ንእትቕመጥ ጓል 30 ዓመት ሰበይቲ ዝሓለፈ ግንቦት ጨዊኹም ንክልተ መዓልታት ኣሳቒኹማ ብዝብል ንኣርባዕተ ሰቡኡትን ክልተ ኣንስትን ምኽሳሱ ጋዜጣ Aftonbladet ጸብጺባ’ላ።

እታ ግዳይ ብስሕለትን ብቅልዒትን ትግፋዕ ምንባራ ሓቢራ’ላ።

ሓደ ካብቶም ተሓባበርቲ እዚ ገበን ናይሕጐዲ ሓጺን ኣርሲኑ ጸጒራ ከም፡ዝላጸያ ካልኣዩ ድማ ምዉት ኳዂ ኣብ ክሳዳ ከም ዘንጠልጠለላን ወሲኻ ገሊጻላ።

እታ ሰበይቲ ድሕሪዚ ኣምሊጣ ኣብ ጐረቤት ተዓቚባ ሓገዝ ሓቲታ።

እዞም ሰባት ነዚ ክገብሩ ዝደረኾም እንታይ ምዃኑ እንከተብርህ ድማ ንሳ ኣብ ሓንቲ ኣውቶቡስ ተሳፊራ እናኸደት ሓደ ሰብኣይ ጠኒኑ ብምእታዉ መጒዳእቲ ከም ዝበጽሖ ኣዝማዱ ኸኣ ናይዚ ሓደጋ ሃንዳሲት ንሳ እያ ኢሎም ይኣምኑ ምንባሮምን ተዛሪባላ።

እዚ መጋብኣያ ክሳብ ጥሪ 21 ክቕጽል እዩ ተባሂሉሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com