Monday , May 13 2024
Tomas Oneborg / SvD / TT

ቆጸራ ንመጥባሕቲ ዝገብሩ ሰባት ኣዝዩ ምንውሑ ተገሊጹ።

ብምኽንያት ኮሮና 44 ሽሕ ናይ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ፕሮግራማት ምስራዙን ብጠቕላላ 157 ሽሕ ሕሙማት ኣብ ናይ መጸበዪ ግዜ ምህላዎምን ተፈሊጡ። መዓልታዊ ኣሽሓት ሰባት ናብዚ ናይ መጸበዪ ዝርዝር ይኣትዉ ምህላዎም ድማ ኣገልህሎት ዜና SVT ሓቢሩ። እዚ መጥባሕቲ ካብ ልቢ ክሳብ ናይ ዓጽሚ ጎሎ ዝመሰሉ ኣካላት ዘጠቓልል እዩ፡ ” ሕሙማት ነዊሕ ናይ ኣብ ቤትካ ምጽናሕ ቈጸራ እዩ ተዋሂብዎም ዘሎ፥ እዚ ማለት ዝያዳ ስቓይ የሕልፉ ኣለዉ ማለት እዩ” ክብል ኣብ ኣፕሳላ ሆስፒታል ሓላፊ መጥባሕቲታት ጉናር ኤንሊንድ ይገልጽ። ብፍላይ ኣብ ሱመርላንድን ኖርበርተንን እዚ ሕክምናዊ ሓገዝ ምንቊልቋሉን 80% መጥባሕቲታት ምስራዞምን ድማ ተመልኪቱ። ምውዛፍ መጥባሕቲ ብስጭት ክውም ዝገብረሎም ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ እዚ ጒዳይ ድሕሪ ኮሮና ኣብ ዝህሉ ግዜ ከይዓቢ ብኣግኡ ክሕሰበሉ ከም ዝግባእ ሊንድ ኣመልኪታ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com