Friday , April 26 2024

ቋንቋ ሽወደን ኣገዳሲ ረቛሒ ቀዋሚ መንበሪ ክኸውን እዩ። 

ቋንቋ ሽወደን ከም ረቛሒ ቀዋሚ መንበሪ ክከውን ከም ዝድግፋ፡ ክልተ ዝዓበያ ሰልፊታት ሽወደን ገሊጸን። መንግስቲ ብወገኑ እዚ ብኸመይ ክካወን ከም ዝግብኦ ኣብ ምምርማር ይርከብ ኣሎ–ብመሰረት ሓበሬታ ሬድዮ ሸወደን። እንተኾነ ግና፡ ምቊጽጻር ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን፡ ኣብ ብቕዓት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተዋህበ ትምህርቲ ቋንቋ ስክፍታ ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ።

ቋንቋ ሽወደን ከም ረቛሒ ቀዋሚ መንበሪ ይኸውን ምህላዉ፡ ንጠለብን ደረጃን እቲ ዝወሃብ ኮርስ ቋንቋ ከማዕብሎ ከም ዝኽእል ሚኒስተር ስደተኛታትን ምውህሃድን ኣንደርሽ ይገማን ኣመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com