Sunday , May 12 2024

ባዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ኣብያተ ትምህርቲ ምዕጻዉ ተመራጺ ከምዘይኮነ መኺሩ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ሽወደን ዝተራእየ ሕማም ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ፣ ወለዲ ንዶቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ምስዳድን ዘይምስዳድን ዓቢ ኣዛራቢ ጉዳይ ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ፣ባዓል መዚ ጥዕና ሽወደን፣ እቲ ሓላፍነት ናይ ወለዲን ናይ ኣብያተ ትምህርትን ዉሳነ እዩ ክብል ኣፍሊጡ።

ይኹን እምበር እቲ ባዓል መዚ፣ እቶም ኣብዚ ስፖርታዊ ግዜ ዕረፍቲ. ማለት Sport lov ካብ ሽወደን ወጻኢ ገይሾም ዝቐነዩ ተማሃሮ ኣብ ገዝኦም እንተጸንሑ ተመራጺ እዩ፣ ብምባል መኺሩ። ድሕሪ እቲ ኣብ ሃገረ ኢጣልያ ልዕሊ ሽሕ ዝኾኑ በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ፣ ተኸቲሉ

እብ ኤዉሮጳ ከምዝተስፋሕፈሔን፣ ስጋብ ሕጂ ኣብ ሽወደን ጥራይ 13 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ይግለጽ። ኣብ መላእ ኤዉሮጳ ነቲ ለበዳ ንምግታእ ብደረጃ ሕብረት ኤዉሮጳ ምድላዉ ተጌሩ ምህላዉ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com