Friday , April 26 2024
Kirsty Wigglesworth/AP

ባይቶ ብሪጣንያ ነቲ ዝተመሓየሽ ሕጊ ንምጽዳቕ ምእባዩ ከም ዘሕዘኖ መንግስቲ ሽወደን ገሊጹ።

ባይቶ ብሪጣንያ ነቲ ብቐዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ተረሳ መይን ኣባላት ሃውስ ኦቭ ኮመንስ ንዝቐረበ ዝተመሓየሽ ሕጊ ንምጽዳቕ ምእባዩ ከም ዘሕዘኖ መንግስቲ ሽወደን ገሊጹ።

ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት Hans Dahlgren እዚ ውጽኢት ትጽቢት ዝተገብረሉ እኳ እንተኾነ ከም ዘሕዝኖ ገሊጹ’ሎ።

ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ምውጻኣ ዓበይቲ ሳዕቤናት ምኽታሎም ኣይተርፍን ዝብል ፍርሂ ከም ዘለዎ’ውን ገሊጹ’ሎ።

ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዘይ ውዕል ትውጻእ ወይስ ብውዕል ኣብ ዝብል ሓገግቲ ብሪጣንያ ዝመጽእ ረቡዕ ክውስኑ እዮም።

ብሪጣንያ ብዘይ ዝኾነ ውዕል ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት እንተወጺኣ ዕዳጋታት ክዘርግን ሕጽረት መግብን መድሃኒትን ከስዕብ ከም ዝኽእል ተንተንቲ ፖልቲካ ይገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com