Friday , April 26 2024
Secretary of State Antony Blinken and Ukraine's Foreign Minister Dmytro Kuleba (Leah Millis/Pool via AP) WX307

ባይደንን ፑቲንን ብጉዳይ ዩክሬን ክዘራረቡ እዮም

ኣብ ዩክሬን እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ውጥሪ ምኽንያት ብምግባር: ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን መዘናኡ ሩስያዊ ፑቲንን ጽባሕ ሰሉስ ናይ ቪድዮ ዘተ ክገብሩ ምዃኖም ካብ ዋይት ሃውስ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ: ኣንዮኒ ብሊንከን: ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክትገብር ምዃና ሓበሬታ ምርካቡ ድሕሪ ምግላጹ እዩ እዚ ዘተ ክግበር ተዓዲሙ ዘሎ። እንተኾነ ግና ፑቲን ወራር ንምፍጻም ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ኣብ ውሳነ ምብጽሑ ንጹር ዘይምዃኑ ብሊንከን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

ሩስያ ብወገና ከምዚ ዝበለ ውጥን ከም ዘይብላ ድሕሪ ምግላጽ: ኣብቲ ዞባ ወተሃደራዊ መናውራ ዝገብር ዘሎ ዩክሬን እምበር ሩስያ ኣይኮነትን ብምባል ነቲ ክሲ ውዱቕ ጌራቶ’ላ።

ኣብዚ ጽባሕ ክካየድ እዩ ተባሂሉ ዘሎ ዘተ: ኣመሪካ: ነቲ ሩስያ ኣብ ዶባት ዩክሬን እትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ብሻቕላ ከም እትምልከቶን ንልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ዩክሬን ከም እትድግፍን ክሕብሮ ምዃኑ ዋይት ሃውስ ብቐዳማ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ኔሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com