Friday , April 26 2024
President Joe Biden (AP Photo/Susan Walsh) DCSW116

ባይደን፡ መጥቃዕቲ ሳይበር ናብ ኲናት ክመርሕ ይኽእል እዩ ክብል ኣጠንቂቑ

ኣንጻር ኣመሪካ ዝቐንዐ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ፡ ከቢድ ስግኣታት ይፈጥር ብምህላዉ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ምስ ቻይናን ሩስያን ናብ ኲናት ክመርሕ ከም ዝኽእል ፕረዚደትን ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ኣጠንቂቑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ንመጥቃዕቲ ሳይበር ከም ቀንዲ ኣጀንዳ ሰሪዑ ይንቀሳቐስ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። እንተ ድኣ ኣብ ዓብዪ ኲናት ኣቲና፡ እቲ ጠንቂ፡ መጥቃዕቲ ሳይበር እዩ ክኸውን ክብል፡ ባይደን፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ኤጀንሲ ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ዝገብሮ ምብጻሕ ገሊጹ።

ኣብ ዝሕለፈ ግንቦት፡ እቲ ዝዓበየ ቱቦ መተሓላለፊ ነዳዲ ዘይቲ፡ ብሳይበር፡ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶ ጸብጻባት የመልክቱ። እዚ ብራንሰምዌር ዝፍለጥ መጥቃዕቲ፡ ንኣማኢት ዓማዊል ኲባንያትታ እንተላይ ንኲባንያ ኩፕ ሽወደን፡ ከቢድ ሽግራት ከም ዝፈጠረሎም ይዝከር።

ብርክት ዝበላ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ዘካይዳ ጒጅለታት፡ ኣብ ሩስያ ከም ዝርከባ ዝገለጸ ዋይት ሃውስ፡ እዚ ምንቅስቓሳት ደው ንኽብል ምስ ክረምሊን ኣብ ልዝብ ምህላውን ምስ ፕረዚደንት ሩስያ፡ ቭላድሚር ፑቲን፡ ከም እተዘራረበን ገሊጹ’ሎ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣመሪካን መሻርኽታን፡ ቻይና፡ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ተካይደለን ምህላወን ክገልጻ ምጽንሐን ዝፍለጥ እዩ። ንኣብነት፡ ማይክሮሶፍት ኤክስቼንጅ ሶፍትዌር ምስ ተጠቕዐ፡ 30 ሽሕ ኲባንያታት ኣመሪካ፡ ብከቢድ ከም እተሃስያ ይጥቀስ።

ንረብሓ ገንዘብ ክብሉ ባዕላቶምን ብመንግስቲ ዝሕገዝን ንጥፈታት ሳይበር ዘካይዱ ጒጅለታት፡ ኣብ ቻይና ተሰንቂሮም የሸግሩና ኣለዉ ክብል ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣቐድም ኣቢሉ ገሊጹ ኔሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com