Friday , April 26 2024

ቤት ማእሰርቲ ማሪስቶድ (Mariestad)፡ ሓድሽ ጨንፈር ወሲኹ

ኣብ ማሪስቶድ ዝርከብ ኣገልግሎት ቤት ማእሰርቲ ሮድያን (Rödjan)፡ ዝለዓለ ናይ ጸጥታ ክፍሊ ዝሓቁፍ ሓድሽ ጨንፈር ክውስኽ ምዃኑ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣገልግሎት ቤት ማእሰርቲ፡ ማርትን ሆልምግሬን፡ ሓቢሩ።

እቲ ተወሳኺ ጨንፈር፡ ንበይኑ ዝተዶኮነ ኮይኑ፡ 150 ተወሰኽቲ መቐመጢታት ብዝለዓለ ናይ ድሕነት ኣገልግሎት ዝተሰነዩ ኮይኖም ከም ካልኣይ ዝለዓለ ደረጃ ዝስራዕ እዩ።

ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተወሰነ ናይ ምግፋሕ መደባት፡ ኣገልግሎት ቤት ማእሰርቲ ሮድያን፡ ኣብ ቀጻሊ፡ ክሳብ 350 መቐመጢታት ክውስኽ ምዃኑ፡ ሆልምግሪን፡ ወሲኹ ገሊጹ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com