Friday , April 26 2024

ብሕቡእ ኣልኮላዊ መስተ ናብ ሽወደን ከስግር ዝተታሕዘ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ!!

ኣስታት 9800 ሊትሮ ኣልኮላዊ መስተ ሒዙ ብሕቡእ ካብ ጀርመን ናብ ሽወደን ክስገር ዝተትሓዘ ሰብ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ። እዚ ወዲ 47 ዓመት ዝኾነ ሰብዓይ ኣብ  ኦረሱንድ  መስጋገሪ ድልድል  ደንማርክን ሽወደንን ዝተታሕዘ  ኮይኑ ቅድሚ ሕጂ ውን ብዝተፈላለየ ዓይነት ክሲ ቀሪቡ ዝፈልጥ እዩ።

ወሃቢ ቃል ከፍሊ ጉምሩክ ሽወደን ኣብዚ ሃቦ ሓቤረታ እዚ ሰብ ኣብ መኪና ሓቢኡ ፈስታ ኣለኒ ብዝብል ምኽንያት እዩ ሓቢኡ ከስግሮ ተታሒዙ ክብል ገሊጹ። እዚ ግን ንመጀምርያ ግዜ ዘይኾነ ብተደጋጋሚ ከምኡ ምኽንያት ኣብ ቁጽጽር ዝወዓሉ ቡዙሕ ኣጋጣሚ ከምዘሎን. ኣብ ዝሓልፈ ወርሒ ግንቦት ሓደ ሰብ ብምኽንያት ፈስታ  200 ሽሕ ሊትሮ ዝዓቀኑ መስተ ከስግር ከምዝተታሕዘ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com