Monday , May 13 2024
ቅርጺ ክሮና ቫይረስ ስእሊ፥ ማእከል ምክልኻል ሕማማት , EPA / TT

ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ኣብ ንኡስ ዕድመ ዝሞተ።

ኣብ ምምሕዳር ክሮነብሪ ዝነብር ዝነበረ ብዕድመ ንኡስ ዝኾነ ሰብ ብቫይረስ ድሕሪ ምልካፉ ምስ ኣሃዱ ጥዕና ናይቲ ከባቢ ተራኺቡ ኣብ ገዝኡ ክጸንሕ ተሓቢርዎ ከምዝነበረን ኣማስይኡ ግን ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ከምዝሞተ SVT ሓቢሩ። ኣብ ንኡስ ዕድመ ዘለዉ ሰባት ከቢድ ምልክታት ናይ ኮሮና ከርእዩ ከምዝኽእሉን ብሰንኪ ሕማም ድማ ክሞቱ ከምዝኽእሉን እንተኾነ እቲ ናይ ሞት ኣጋጣሚታት ብዙሕ ከምዘይኮነ ኣብ ክሮነብሪ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ ክሪስትያን ብሎምክቪስት ሓቢሩ።

ብመሰረት ጋዜጣዊ መግለጺ ናይቲ ከባቢ፡ እቲ ሰብ ቅድሚ ምሟቱ ብሓደ ሰሙን ምስ ኣሃዱ ጥዕና ከምዝተራኸበ ሓቢሩ። እቲ ሕሙም ምስ ኣሃዱ ጥዕና ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ከምቲ ልሙድ ውልቀ ውሸባ ክገብር ከምዘለዎ ምኽሪ ከምዝተዋህቦ ላዕለዋይ ሓኪም እቲ ምምሕዳር ባር ሊንድግሪን ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ንዕድመ ናይቲ ዝሞተ ሰብ ዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን። ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ምምሕዳር ክሮነብሪ ጥራይ 5 ሰባት ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ሞይቶም ኣለዉ። ኣብ መላእ ሽወደን ክሳብ ትማሊ ሰኑይ 3698 ሰባት ብሰንኪ ሕማም-19 ከምዝሞቱን መብዛሕትኦም ድማ ብዕድመ ዝደፍኡ ምዃኖም ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com