Friday , April 26 2024

ብዛዕባ ወዲ ኦሳማ ቢንላደን ሓበሬታ ዝሃበ ናይ 1ሚልዮን ዶላር ሽልማት ከም እትህብ ኣመሪካ ገሊጻ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ወዲ መራሒ ኣልቓዒዳ ነበር ኦሳማ ቢንላደን ሓበሬታ ዝሃበ ናይ 1ሚልዮን ዶላር ሽልማት ከም እትህብ ገሊጻ።

ሓምዛ ቢንላንደን መራሒ እስላማዊ ዕጡቕ ምዃኑን ኣብ ዶብ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ደጀኑ ጌሩ ይንቀሳቐስ ምህላዉን ሰብ መዚ ኣመሪካ ይገልጹ።

ንሱ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝፈነዎ ናይ ቪድዮ ምስሊ ንኣመሪካን መሻርኽታን ብምጥቃዕ ሕነ ደም ኣቡኡ ክፈዲ ምዃኑ ገሊጹ ኔሩ።

ፍሉያት ሓይልታት ኣመሪካ ንቢንላደን ኣብ ኣቦታባድ እትበሃል ፓኪስታናዊት ከተማ ብምእታው ኣብ 2011 ከም ዝቐተልዎ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com