Sunday , May 12 2024

ብዝሒ መንካዕ፡ ብሰንኪ ኣብ ኣፍደገ ቤተ-ክርስትያናት ዝትከሉ መብራህቲ፡ ይጎድል ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ ኣፍደገ ቤተ-ክርስትያናት ዝበርህ መብራህቲ ኣብ ልዕሊ መንካዕ ከቢድ ሓደጋ ከውርድ ከምዝኽእል ተሓቢሩ። ብሰንኪ እዞም መብራህቲ፡ እቶም ናይ ቡናውን ሓሙኽሽታይ ኣልጌን ዘርኢ ዘለዎም ዓይነት መንካዕ ብፍጹም ክጠፍኡ ከምዝኽእሉ ናይ ስነ-እንስሳ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር፡ የንስ ሪድል፡ንሬድዮ ጎትላንድ P4 ሓቢሩ።

እዞም ዘርኢ መንካዕ’ዚኣቶም ኣብ ጎትላድ ዝርከባ ቤተ-ክርስትያናት ጥራይ እዮም ዝነብሩ። ካብቲ ዝተወለድሉ ቦታ ከይተኣልዩ ከምዝነብሩ መጽናዕታዊ ጸብጻባት ይሕብሩ። ጸልማት፡ እቲ ቀንዲ ናይ መንካዕ መከላኸሊ ስልቲ ብምዃኑ ምንቅስቓስ ናይ መንካዕ ኣብ ግዜ ጸልማት እዩ። እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ ዝተተኽለ መብራህቲ፡ ኣብ ደገ ጸልሚቱ ስለዘይፈልጥ እቶም መንካዕ ናብ ደገ ወጺኦም ክሃድኑ ኣይደፍሩን፡ ከምሳዕቤኑ ድማ፡ እቶም ሓደስቲ ውልዶታት፡ ብጥሜት ናይ ምሟት ዕጫ የጋጥሞም ክብል ሪድል ነታ ሬድዮ ሓቢሩ።  

መብራህቲ፡ ኣብ 90ታት ክትከል እንከሎ፡ እዞም ዓይነታት መንካዕ ኣብ 60% ብዝሒ ናይተን ቤተ-ክርስትያናት ይርከቡ ነይሮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ብዝሒ ብፍርቂ ጎዲሉ ይርከብ። ጠንቂ ናይዚ ድማ እቶም ዝተተኽሉ መብራህቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ክብል ሪድል ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com