Saturday , May 11 2024

ብጉዳይ ክታበት ኮቪድ-19 ዝቐረቡ ክስታት፡ ተረጋጊጾም

ክታበት ኮቪድ-19 ምስ ተኸትቡ፡ ንዘጋጠሙ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ብዝምልከት ዝቐረቡ ጥርዓናት፡ ድሕሪ ምጽራዮም፡ ሒደት ሰባት ጥራይ እቲ ዘቕረብዎ ጥርዓን ምስ ክታበት ከምዝተሓሓዝ ተረጋጊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ንጸብጻባት ሬድዮ P4 ዮቶቦሪ፡ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ካብቶም ናብ በዓል መዚ መድሃኒት ሽወደን ዝቐረቡ 1100 ጉዳያት፡ ክሳብ ሕጂ፡ ዓሰርተ ዝኾኑ ጉዳያት ጥራይ ተረጋጊጾም ከምዘለዉ ኣካያዲ ፋርማሳዊ መድሕን፡ ሮበርት ስትሩም፡ ምስታ ሬድዮ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ገሊጹ። መብዛሕትኦም ጉዳያት፡ ኣብ ምጽራይ ከምዘለዉ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ክሳብ ሓደ ሲሶ ካብ ብዝሒ ጥርዓናት ግን ተነጺጎም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣስታት 84 ሽሕ ዝበጽሑ፡ ምስ ዝተፈላለዩ መድሃኒታት ዝተሓሓዙ ጥርዓናት ኣሉታዊ ሳዕቤናት፡ ናብ በዓል መዚ ውጽኢት መድሃኒት፡ ቀሪቦም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com