Sunday , May 12 2024
Anders Wiklund / TT

ቫይረስ ኮሮና ንምግታእ ገና ዝያዳ ስጒምቲታት የድሊ እዩ ተባሂሉ።

ሽወደን ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ዝያዳ ኣድላዪ ስጒምቲታት ምውሳድ ከድልያ እዩ ክብል ዋና ተጸዋዒ ሕማማት ለበዳ ኣንደርስ ቲግኔል ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ሓቢሩ። ምልስ ኢለ እንክርእዮ ስትራቴጂ ሽወደን ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ዝተቐራረበ ክኸውን ኔርዎ ዝብል ንስሓ ሓዘል መልእኽቲ’ውን ዯመሓላሊፉ’ሎ። በዚ ሕጂ ዘሎና ተመኲሮን ኣፍልጦን ተመሳሳሊ ሕማም እንተጋጢሙና ሽወደን መንጐ ናታን ተመኲሮ ካልኦት ሃገራትን ዝኾነ ስጒምቲ ከም እትወስድ ምተገብረ ድማ ኢሉ።

ኣብ ሽወደን ክንወስዶ ዝጸናሕና ስጒምቲታት እነመሓይሸሉ ዕድላት ኣሎና ዝበለ ቲግኔል እንታይ ከም ዘይኣትወና ኣብ ምፍላጥ እንተተዓዊትና ለበዳ እዚ ሕማም ኣብ ምዕጋት ክንሰልጥ ኢና ኢሉ። ካብተን ቀስ ኢለን ሕጊታት ዘፍኰሳ ሃገራት ኣየኖት ዝያዳ ዕዉታት ምንባረን ምፍላጥ ኣየጸገምን እዩ። በዚ ድማ ሽወደን ብልክዕ ከመይ ዝበለ ኣገባብ ክትክተል ከም ዝግባኣ እዂል ተመኲሮ ክትቀስም ትኽእል እያ ክብል ድማ ኣጠቓሊሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com