Friday , April 26 2024

ተሓላቒ ፍትሒ ጒዳይ ጾታዊ ዓመጽ Fittja ኣይርእይን እየ ምባሉ ተገሊጹ።

ተሓላቒ ፍትሒ ብጒጅለ ኮይኖም ኣብ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ጾታዊ ዓመጽ ናይ ዝፈጸሙን ፖሊስ ዝምርምሮን ዘሎ ጒዳይ ኢዱ ከም ዘየእትወሉ ገሊጹ።

እቲ ትካል” እዚ ንፖሊስ ጥራይ ዝምልከት ጒዳይ እዩ” ኢሉ’ሎ።

ነሓሰ 2016 ሓንቲ ጓለንስተይቲ ብዙሓት ደቂተባዕትዮ ኣብ Fittja ደቡብ ስቶክሆልም ብሓንሳብ ኮይኖም ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕለይ ፈጺሞም ዝብል ጥርዓን ናብ ፖሊስ ኣቕሪባ ኔራ።

እቲ መርመራ ግና ግዚኡ ስለ ዘሕለፈ እቶም ኣብ መስርሕ ክሲ ዝነበሩን ነዚ ወንጀል ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣበርክቶ ጌሮም እተባህሉን ሓሙሽተ ሰብኡት ምሉእ ብምሉእ ብናጻ ከም ዝልቀቑ እዩ ተጌሩ።

ቤት ፍርዲ እዚ ጒዳይ ዝተታሕዘሉ ኣፈናዊ ኣገባብ መርመራ ብተሪር ነቒፍዎ ኔሩ እዩ።

ተጣባቒ ሕጊ ኣገባብ ስራሕ ፖሊስ ክምርምር እየ ዝብል ሓሳብ ካብ ዝሕዝ ኣይወሓዶን።

እንተኾነ ሕጂ ኣብዚ ጒዳይ ኢዱ ከምዘየእቱ ዕላዊ ጌሩ’ሎ።

ተጣባቒ ፍትሒ ኣብዚ ጒዳይ ምንም ዝብሎ የብሉን። ምኽንያቱ ፖሊስ ነቲ ጒዳይ ሒዝናዮ ኣሎና ኢሎም ኣለዉ ይብል ደረት መዝነት ፖሊስ ንምምርማር ሓላፍነት ዝወሰደ ሓላፊ ተጣባቒ ፍትሒ Stefan Nyman.

ክሳብ ሕጂ ንምንታይ ደንጒዂም ንዝብል ሕቶ ውሳነ ፖሊስ ክንጽበ ስለዝጸናሕና ኢና ክብል መልሲ ሂብሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com