Friday , April 26 2024

ተስፋ. . . ሓቐኛ ዛንታ…… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም……. ሓምሻይን ናይ መወዳእታ ክፋል

ነቲ ዘይብዳህ በዲሃ ኣብ ሓዳር ምብጽሓ’ኳ እንተሐጎሰኒ፣ ‘ጸገምረኺበ’ ምባላ ግና ኣሰንበደኒ። “እንታይ ሕማቕ ድኣ ረኺብኪ ጓለይ?” ንዝውሓዘ ንብዓታ፣ ክሳብ ትጸርግ ዕድል ድሕሪ ምሃብ፣ ድሕሪ ሓዳር ዘጋጠማ ክትነግረኒ ደፋፋእኩዋ።

“ይገርመካ’ዩ!” ኣዕሚቓ ኣስተንፈሰት። “ክገርመካ! ምስ ተስፉ ካብ’ታ ኣብ ስራሕና ተላለናላ እዋን ጀሚረ፣ ብኹሉ እንትንኡ ሕጉስቲ’የ ነይረ። ጠባይ ኣለዎ፣ ናይ ስራሕ ሰብ’ውን’ዩ። ሓዳር ምስ ገበርና፣ እቲ ጽቡቕ ጠባዩ ወሲኹ እምበር ኣይጎደለ። በዚ ምኽንያት ካብ’ታ ሓዳርና ዝወጻናላ እዋን ጀሚረ፣ ብኡኡ ቕስንቲ’የ ነይረ። ክገርመካ! ኣብ’ቲ ፈለማ ሓዳር ዘወጻናሉ እዋን ቐንዲ ስክፍታይ፣ ከመይ ገይረ ጾታዊ ርክብ ይፍጽም’ዩ ዘሻቕለኒ ነይሩ፣ ምኽንያቱ ምስ ዘጋጠመኒ ዓመጽ፣ ቓንዝኡ ምረቱ ጌና ካብ ዝኽረይ ስለ ዘይሃሰሰ፣ ምስ ተስፉ ምቕራብ ዓቐብ’ዩ ኮይንኒ። ተሰኪፈን ፈሪሐን፣ ኣብ መወዳእታ ግና ናተይ ወሳኔ ወሲደ…” ትብዕ ኢላ መርገጺኣ ነገረትኒ።

“እንታይ ውሳኔ ድኣ ወሲድኪ?”

“በቓ! ክብረይ ብሓደጋ ከም ዝተደፈርኩን፣ ስቕያት ጸታዊ ዓመጽ ስለ ዘለኒ፣ ፍርሒ ከም ዘለኒ፣ ብግልጺ ነጊረዮ። ንሱ’ውን ተቐቢኑኒ። ኣታ ወዲ ኣብ ሓዳር ግልጺ ኮይንካ ምዝርራብ ጠቓሚ’ዩ። ግልጺ ኮይነ ስለ ዝተዛረብኩ፣ ተስፉ ኣብ ልዕለይ ተገዳስነት ከሐድር ጀሚሩ። ብኡ መንጽር ውሽተይ ቐሲኑ፣ ብሓሳብ ዝሕመስ ዝነበረ ኣካለይ ነብሲ ደሪቡ፣ እዋይ ክጽብቕ ኮይነ…” ብሓጎስ ኣኽመስመሰት።

“እሞ ኣብ መወዳእታስ ጥዓዊትኪ ኢኺ…”

“እንታይ ክዕወት ኣንታ!” ንዘረባይ ኮሊፋ፣ በሪሁ ንዝነበረ ገጻ ኣጸልመተቶ።

“እንታይ ተረኸበ?” ሃንደበት ንዝጸልመተን፣ ንዝዓጠረን ገጻ እናጠመትኩ፣ ነቲ ዘይውዳእ ዝመስለ ዛንትኣ መደምደምትኡ ክፈልጥ ደለኹ።

“ከም’ቲ ዝበልኩኻ ብዓል ቤተይ፣ ለይትን መዓልትን ዝሰርሕ ሓኾተ’ዩ። ዋላ’ኳ ዓዲ ቐይሕ ዓዲ እንተኾነ፣ ኣብ ኣስመራ ናይ ህንጻ ኣቑሑ ዝሸይጥ ትካል ዝነበሮ ብምኻኑ፣ ኣብ ዓዲ ቐይሕ ኣርባዕተ ወርሒ ምስ ተቐመጥና፣ ብቐጥታ ናብ ኣስመራ ብምምጻእ፣ ሓዳርና ኣብ ኣስመራ ኢና ወጺና። ተስፉ ሰሪሑ ዝኣትዉ ርኹብ ምንባሩይ፣ ናይ ብሓቒ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ምቾት ኣስተማቒረ። ዝጎድለኒ ዘይብለይ፣ ኩሉ’ዩ ዝማልኣለይ ዝነበረ። ሰብ ብተስፋ እንተተጋዒዙ ከም ዝዕወት ፈሊጠ። ሳላ’ቲ ዘይጽንቐቕ ተስፋይ፣ ትዓዊተ እንበልኩ ግና፣ ሓደ ዘይትጸበኽዎ…” ብየማናይ ኢዳ ኣፋ ሓቲማ፣ ብሓሳብ ኣርሒቓ ትዓዝረት።

“ስቕ’ዶ ኢልኪ?” ኣብ ዝኣተወቶ ሓሳብ ክገላግላ ፈተንኩ።

“ኩሉ እንድዩ ዝገርመኒ ዘሎ፣ ኣታ ወዲ ሓንሳብ ሽግር እንተመጺካ እግሪ እግርኻ’ዩ ዝስዕብ። ምስ ተስፉ ኣብ ጽቡቕ ሓዳር ኣርባዕተ ዓመት ክሳብ ዝገብር ጥንሲ ዝብሃል ክሕዝ ብዘይ ምኽኣለይ፣ ከትእሳስበኒ ጀሚሩ። ክሳብ’ዚ እዋን ክልቴና ብውሽጥና ተጸሚምና ስቕ’ኳ ክንብል እንተፈተና፣ ግዜ ንግዜ እናተክአ ክኸይድ ምስ ጀመረ ግና ምጻሩ ኢና ስኢናዮ። ሎሚ’ዶ ጽባሕ ክንብል ብተስፋ ተጽቢና፣ ተስፋና ሰሚሩ ግና ክሰምረልና ኣይክኣለን። ሽዑ ኣብ ሓዳርና…” ሓሳባ ከይደምደመት ደው በለት።

“ተፋቲሕኩም?” ስንባደ ሓዊሰ ግምተይ ክህብ ፈተንኩ። ተስፋ ሂቡ ዝነበረ ሓዳራ ‘ተበቲኑ ከይትብለኒ፣ ብውሽጠይ ጸሎተይ ኣዕረኩ።

“ዝያዳና ነቲ ጉዳይ ደቒ ሰባት ከጋድድዎን፣ ዘይምኣዙኑ ከትሕዝዎን ጀሚሮም። ‘ኣታ ክሳብ ሕጂ ኣይወለድኩምን ዲኹም?’ እናበሉ ብስክፍታ ኣሳቕዮሙና። ቓንዛና ከይኣኽለና፣ ናይ ሰባት ተደራቢ ቓንዛ ኮይንና። ኣታ ወዲ ኣይትኣምነንን ትኸውን፣ ምስ’ቲ ኣጋጢሙኒ ዝነበረ ናይ ዓመጽ ኩነታት፣ ኣነ’የ ዝኸውን ጸገም ናይ ውላድ ዘለኒ ብምባል ኣብ ከቢድ ጭንቐት’የ፣ እንድዒ ወደይ… ዘይፈተነ ጥራ…” በብቑሩብ ድምጻ ሃጠመ፣ ማዕረ ክንደይ በሰላ ከም ዝገደፈላ፣ ኣብ’ቲ ደኺሙ ዝነበረ ድምጻ ነጺሩ በርሃለይ።

“ጸገም’ዩ!” ከይተረድኣኒ፣ ኣነ’ውን ደገፍክዋ።

“ጸገም ጥራይ! ውሽተይ ኣነ ጥራይ ስለ ዝፈልጦ፣ ‘ንተስፉ በዲለዮ፣ ብዘይ ውላድ ክሳብ ምዓስ? ኣነ’የ ዘይወልድ እምበር፣ ንሱስ ይወልድ’ዩ’ እናበልኩ፣ ኣብ ናይ በይነይ ትንተና ብዙሕ’የ ተሸጊረ። ሰብ ዓይኒ ዓይነ ክጥምተኒ ከሎ፣ ብኣይ ጥራይ ዝዛረብ ዘሎ ኮይኑ እናተሰምዓኒ፣ ተሾቕሪረ ዝገብሮ ጠፉእኒ፣ እንድዒ ወደይ… እዋይ!” ነቲ እዋን ግዲ ዘኪራ፣ ብኽልተ የእዳዋ ርእሳ ሒዛ፣ ምረት እቲ እዋን ምግላጹ ተጸገመት። ብዘይ ውላድ ነዊሕ ምጽናሕ ዘለዎ ጸገም ስለ ዝተረድኣኒ፣ ኣነ’ውን ዝገጠማ ማዕረ ክንደይ ፈታኒ ምንባሩ፣ ብውሽጠይ ደገፈይ ገለጽኩላ።

“ምስ ግዜ’ኸ?” ብውሽጠይ ዘዕርጎ ዝነበርኩ ጸሎት፣ ናብ ድሕሪት ተመሊሱ ሓሳባ ከስምረላ ብሃግኩ።

“በቓ! ዘይ በጻሕኩዎ ማይ ጸሎትን ደብርን የለን። ኣታ ወዲ ነታ ኩሉ ዝክኣላ ወላዲ ኣምላኽ ዝኾነት ኣደይ ማርያም ጥራሕ እግረይ ኮይነ፣ ፎው ፎው ኢለ’የ ለሚነያ፣ ከም’ዚ ፈትኒ ይብሃል ይፍትን፣ ከም’ዚ ግበሪ ይብሃል ይገብር፣ ዳርጋ ክልተ ዓመት ውላድ ንምርካብ ኣብ ኮለል’የ ኣሕሊፈዮ። ሰብ ብተስፋ’ዩ ዝነብር፣ ተስፋ ምንባር ምኻኑ ኣሚነ፣ ዘይኮለልክዎ የለን፣ ኣብ ሓዳረይ ጠቕላላ ሽዱሽተ ዓመት ጸኒሐ ወይ’ከ ውላድ፣ እንድዒ ወደይ ዘሕለፍክዎ ኣነ ጥራይ’የ ዝፈልጦ። ከም’ቲ ዝበልኩኻ ተስፉ ዓቓል ብምኻኑ፣ ኪኖ ንነገራት ብህድኣት ምዕዛብ፣ ዘይዛረብ ብምኻኑ፣ ስቕትኡ ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸታ’ዩ ኮይንኒ። ከም’ዚ ብኣይ ዝበሳጮ ዘሎ ኮይኑ ይስማዓኒ፣ኩሉ ኩሉ’ዩ ኮይኒ፣ ኣብ መወዳእታ ግና ናተይ ስጉምቲ ክወስድ ሓሲበ…”

“እንታይ ስጉምቱ!” ምስ ዝነበራ ጭንቐት ስምዒታዊ ስጉምቲ ከይትወስድ ስለ ዝፈራሕኩ፣፣ ‘እንታይ ስጉምቲ ወሲዳ ትኸውን?’ እናሓሰብኩ፣ ንዕላላ ኮለፈ ሓተትክዋ።

“በቓ ብናተይ ውሳኔ ክንፋታሕ ሓቲተ፣ ካብ ዕድል ሰብ ሰይረ ምስ’ቲ ቑርሱስ ዕድለይ ዝልክሞ፣ ንስለ’ቲ ለዋህ ብዓል ቤተይ ክብል ፍትሕ ጠሊበ።”

“ተፋቲሕኩም?” ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመት ከም ዘይጸንዑ፣ ኣብ መወዳእታ ብፍትሕ ክፈላለዩ፣ ዝያዳ ንሰምሃር ደንገጽኩላ። ሕለፍ ከርተታ ከይኣክል፣ ዘይፍታሕ ሽግር ምርካባ፣ በቲ እግሪ እግራ ዝጉዓዝ ጸገማን፣ ዘይንቕነቕ ተስፍኣን ተደነቕኩ።

“ኣነ’ኳ ደጋጊመ እንተለምንክዎ፣ ተስፉ ግና ፍቓደኛ ኣይነበረን። ‘ውላድ ናይ ፈጣሪ’ዩ፣ ፈጣሪ’ዩ ድማ ዝህብን ንኸልእን፣ እቲ ናይ ውላድ ጸገም ድማ፣ ዋላ ናተይ ጸገም ክኸውን ይኽእል’ዩ፣ ስለ’ዚ ንፈጣሪ ጥራይ ንለምን’ እናበለ ተስፋ ይምጥወለይ ስለ ዝነበረ፣ ባቓ ምስ ተስፋይ ኣብ ሓዳር ክቕጽል ወሲነ። እንተኾነ ግና ቕሳነት ክረክብ ኣይክኣልኩን፣ በቲ ዕድመይ ይኸይድ፣ በቲ ጭንቐት ይውስኽ፣ ብዓቢኡ ውላድ የለን። ‘ካብ ከም’ዚ ኢልካ ምቕጻል፣ ካብ ካልእ ውላድ ዘትፍትን’ ኢለ’ኳ ንተስፉ ከገድዶ እንተፈትንኩ፣ ወይ’ከ ምስማዕ ኣብይኒ፣ ‘ዓለም ብዘይ ውላድ እንታይ መኽሰባ? ንሱ’ዩ ሃብቲ’ እንተበልኩ’ኳ ክሰምዓን ኣይክኣለን። ህይወት ብዘይ ውላድ እሞ’ኽኣ ንኣስታት ሸውዓተ ዓመት ዘይፈተነ ይፈትኖ’ዩ። ምረት በቓ ምረት!”

“እዋእ!” ኣነ’ውን ብዝሰምዖ ዝነበርኩ ዛንታ ምግራመይ ምቑጽጻር ስኣንኩ።

“ሕጂ’ውን ደጊመ ደጋጊመ ለሚነዮ ክሰምዓኒ ኣይክኣለን። በንጻሩ እቲ ኩሉ ዝሰምዕ ፈጣሪ ሰሚዑኒ፣ ሓዳር ካብ ንገብር ኣብ ሻብዓይ ዓመተይ ጥንሲ ሒዘ። ዝትሓጎስኩዎ ክነግረካ ኣይክእልን፣ እንኳዕ ኣይተፋታሕኩ ኢለ፣ ዳግማይ ዝተፈጠርኩ ኮይኑ ተስሚዑኒ። ኣታ ወዲ ዋጋ ዓቕሊ፣ ፈጣሪ ናይ ኢደይ ሂቡኒ። ሓጎሰይ መሊኡ ፈሲሱ። ተስፋይ ዳግማይ ትሓዲሱ። ክገርመካ ብሰላም ጓል’ዩ ተገላጊለ፣ ዳናይት’የ ኢለያ፣ ኣብ ዓለም ብዘይ ውላድ ዘይጽወር’ኳ እንተኾነ፣ ሳላ ንኹሉ ጸይርና ዝተጋዓዝና፣ ኣብ ዓወት በጺሕና… እንተኾነ ግዳስ ደቒ ሰባት እንዲና ኮይና፣ ካልኣይ ክደግም ደጋጊመ’ኳ እንተፈተንኩ ክሰልጠኒ ኣይክኣለን፣ ብሕክምና ከማን ይኣኽለኪ ተባሂለ። ነቲ ኩሉ ዝክኣሎ ፈጣሪ ተምበርኪኸ ኣመስጊነዮ፣ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ዓመት ኣብ ሓዳር ከይገበሩ፣ እዚኣ ኣይትወልድን’ያ፣ ንሱ’ዩ ዘይወልድ ክብሃሃሉ ከለዉ ማራ’ዩ ዝገርመኒ፣ ወረይ ምስ ብሉእ ጥዕነኦም፣ ፈጣሪ ውላድ እናሃቦም ኣብ ዓመቶ ዝፋትሑ እናኽርእይ ማራ’የ ዝግረም። ሸውዓተ ዓመት ብዘይ ውላድ’የ ሰጊረዮ…” ተስፍኣ ኣብ ትሪ ኣዘራርብኣ ኣንቢበዮ።

“ናይ ብሓቒ ጽንዕቲ ኢኺ!” ኣድናቖተይ ከለጽኩላ።

“ወረይ ዳሕራይ ዝስዓበ ኣሎ ዝረሳዕኩዎ…” ሓድሽ ኣርእስቲ ከፈተትለይ።

“እንታዩ?”

“ከም’ቲ ዝበልኩኻ ሓንቲ ቕልዓ ምስ ወለድኩ፣ ድሕሪ ጥምቐታ ብዓል ቤተይ ዘይኣመሉ ደገ ከምስይን፣ መስተ ሰትዩ ክመጽእን ጀሚሩ። እዚ ባህሪ ንዓይ ሓድሽ ብምንባሩ ኣብ’ቲ ፈለማ ሸለል ኢለ ክሓልፎ ይፍትን’ኳ እንተነበርኩ፣ እናበዝሐ ክኸይድን ኣንፈቱ ክስሕት ምስ ጀመረን ግና ምጽዋሩ’የ ስኢነ። ‘ክንዲ ዝወለድኩስ ምምሳይ ጀሚሩ’ ብምባል ከይደቐስኩ’የ ክሓድር ጀሚረ። ሎሚ’ዶ ይገድፎ ጽባሕ እናበልኩ ነዊሕ ተጸበዮ፣ ንሱ ግና ወይ’ከ በንጻሩ እባገደዶ መጺኢ…”

“ሃንደበት ድኣ ጓለይ እንታይ ረኸቦ?” ቐሲና ክብላ ዝጸናሕኩ ስድራ፣ ካልእ ኣንፈት ምኽፋታ ገረመኒ።

“ምስኪናይ ንዓይ’ዩ ክነግረኒ ዘይደለየ እምበር ጸገም’ዩ ረኺቡ…”

“እንታይ ጸገሙ?” ጸገም ብዓል ቤታ ክፈልጥ ትሃወክኹ።

“ክገርመካ! ሓደ ጉዳይ ንዋንኡ ይሕብኦ’ዩ ዝብሃል፣ ናይ ብሓቒ’ዩ። ተስፉ ካባይ ሓቢኡ ዝተጓዓዞ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ሚስጥር ነይርዎ። ኣነ ምስ ወለድኩ ድማ ጭንቒ ፈጢርሉ፣ ካብ ሓንቲ ኣብ ቤት መስተ እትሰርሕ ጓል፣ ቖልዓ ወሊዱ ነይሩ።  ኣብቲ መጀመርታ እንታይ’ዩ ዘጨንቖ’ኳ ይብል እንተነበርኩ፣ ብሰብ ምስ ፈለጥኩ ግና ዝሰንበድክዎ ክነግረካ ኣይክእልን’የ። ሓቒ’ዶ ክነግረካ?” ናባይ ጠሚታ ሕቶ ወርወረትለይ።

“ሓራይ ንገርኒ?”

“እዚ ኹሉ ካብ ካልእ ውለድ ይብሎ ከም ዘይነበርኩ፣ ውላድ ብወሰን ከም ዘለዎ ምስ ሰማዕኩ ግና፣ ብውሽጠይ ቕንኢ’ዩ ተሰሚዑኒ። እዋእ! እንዲዒ ወደይ! ሰንቢደ’የ፣ ግና ተስፉ ጸዋር’ዩ ንስለይ ዝኸፈሎ ዋጋ ስለ ዝርዳኣኒ፣ ነቲ ጉዳይ ምስ ሰማዕኩዎ ፈለማ፣ ህድእ ኢለ’የ ሓቲተዮ፣ ጸርጸር ክብል’ኳ ፈቲኑ እንተነበር፣ ኣብ መወዳእታ ግና ጌጋ መዓልቲ ከም ዝውዓለ ሓቢሩ ይቕሬታ ምስ ሓተተኒ፣ ኣነ’ውን ንይቕሬትኡ ዓጼፈታ ግብረ መልሲ’የ ሂበሉ። ውላድ ስኢነ ከም ዘየተጠላኸኹ፣ ኣብ መወዳእታ ብውላድ ክብኣስ ሓጥያት ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኣታ ወዲ ውላድ ሃብቲ’ዩ፣ ክገርመካ እቲ ብወሰን ዝተወልደ ዳርጋ ምሳና’ዩ ዝቕመጥ። እዚ ምስ ገበርኩ ተስፉ ቐሲኑ፣ ኣነ ቐሲነ እፎይ ኢለ፣” ኢዳ ናብ ሰማይ ብምቕናዕ ንፈጣሪ ኣመስገነት።

“እዚ ኹሉ ሓሳረ መከራ ናይ ህይወት ኣሕሊፈ፣ እነኹ ሳላ ብተስፋ ዝተጋዓዝኩ ቐሲነ። ብዘጋጠመኒ ዓመጽ፣ ብናይ ውላድ ጸገም ወዘተ ተስፋ ቖሪጸ ነይረ እንተዝኸውን፣ ኣብ ዓለም ኣይምሃለኹን። ሕጂ ጓል ሓምሳል ክልተን ዓመት ኮይነ ኣለኹ። ክልተ ደቒ ኣለዉኒ፣ እቲ ሓደ ካብ ማህጸነይ ዝፈረየ፣ እቲ ሓደ ናይ መንፈስ ወደይ፣ ብዓል ቤተይ ዝፈጸሞ ጌጋ፣ ከም ጌጋ ነኺሰ ክካሰስ እንተዝወዕል፣ ሰላመይ ምተዘርገ፣ ቕሳነት ምሳኣንኩ። ኣብ ዓለም ተስፋ’ዩ ዘናብረካ። ተስፋ ሳላ ዘይቖረጽኩ፣ ንዘጋጥመኒ መስገደላት ህይወት በዲሀ፣ ምስ ሓዳረይ ተሰማሚዐ፣ ጹብቕ ናብራ ይነብር ኣለኹ። ኣብ ዓለም ሰብ ብተስፋ’ዩ ዝነብር። በስ ተስፋ…” ግዲ ድኻም ተሰሚዕዋ፣ ንዕላላ ኣንጠልጢላ፣ ቐዲማትኒ ካብ’ቲ ኮፍ ኢልና ከነዕልለሉ ዝጸናሕና ቦታ ትንስኣት። ኣነ ድማ እግሪ እግራ ስዓብኩ። ክንፈላለ ከለና ድማ፣ ኣብ ምንቕስቓስ ሰምሃር ተስፋ ኣንበብኩ።      


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com