Saturday , May 11 2024
Credit: Henrik Montgomery/TT

ተወሰኽቲ ኑክሌራዊ ሪኣክተራት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክህነጹ ዘፍቅድ ለውጢ ሕጊ ክግበር፡ መንግስቲ እማመ ኣቕሪቡ።

ኣብ ሽወደን፡ ተወሰኽቲ ኑክሌራዊ ሪኣክተራት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክህነጹ ዘፍቅድ ለውጢ ሕጊ ክግበር፡ መንግስቲ እማመ ኣቕሪቡ። ብመሰረት ህሉው ሕጊ፡ 10 ኑክሌራዊ ሪኣክተራት ክህነጻ ዝፍቀድ ኮይኑ፡ ሪኣክተራት ኣብ ዝጸንሕሉ ቦታታት ጥራይ ምህናጽ ከም ዝከኣል ይድንግግ።

ካብ 10 ኑክሌራዊ ሪኣክተራት ሽወደን እተን 6 ጥራይ ኣብ ስራሕ ምህላወን ዝፍለጥ እዩ። እዚ እማመ መንግስቲ ተቐባልነት እንድሕሪ ረኺቡ፡ ናእሽቱ ኑክሌራዊ ሪኣክተራት ክሃንጻ ንዝደልያ ኲባንያታት ከርብሓ እየን ክብል ካርል በርግሎፍ ካብ “ስዊደኔርጂ” ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com