Sunday , May 12 2024

ተወሳኺ መጠን ውርጪ፡ ናብ ደቡብ ሽወደን፡ ገጹ ክንቀሳቐስ እዩ ተባሂሉ

በዓልመዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን፡ ኣብ ደቡብ ሽወደን፡ ስኮናን ብለኪንየን፡ ከጋጥም ዝኻእል  ዝበሎ ውርጪን ብርቱዕ ንፋስን ኣመልኪቱ ሎሚ ሰሉስ ቀዳማይ ደረጃ መጠንቀቕታ ምውጽኡ ማዕከን ዜና TT ሓቢሩ።

ካብ ደቡብን ደቡባዊ ምዕራብን ባሕሪ ባልቲክ ብርቱዕ ውርጪ ኣሎ ክብል ክኢላ ሜትሮሎጂ ኡልሪካ ሰይፈርት ገሊጻ። እዚ ውርጪ ኣማስዩ ናብ ስኮናን ብለኪንየን ክንቀሳቐስ እዩ ድማ ኢላ።

እዚ ውርጪ ካብ 10 ክሳብ 20 ሴንት ሜትር ርጉዲ ክህልዎ እዩ ክብሉ እዞም ክኢላታት ሜትሮሎጂ ተነብዮም ኣለዉ። ክሳብ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ክቕጽል እዩ ድማ ኢሎም ኣለዉ።

ኣብ ደቡብ ሽወደን ዘሎ ጽርግያታት፡ በዚ ውርጪን ንፋስን ኣብ ሕማቕ ኲነታት ከም ዝርከብ ድማ ተገሊጹ።

ሽወደን ካብ 2018 ንደሓር፡ ኣብዚ ዓመት፡ንፈለማ እዋን ውርጪ ከምዝተራእያ መጠን ሙቐት ድማ ትሕቲ ዜሮ ከምዝኾነን ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሰዓት 7 ድቀ ክሳብ ቀዳም 7 ድቀ መጠን ሙቐት፡ ትሕቲ ዜሮ ምቕጻሉ ይዝከር።

እዚ ዛሕሊ ምሉእ ሰሙን ክቕጽል ትጽቢት ምህላዉን ምናልባት ኣብ ቀዳመ ሰንበት ምውቕ ክብል ከም ዝኽእል ድማ ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com