Monday , May 13 2024
Biete Giyorgis church (pictured) is shaped like a Coptic cross (Credit: Jarek Winniczek/Getty Images)

ታሪኻውያን ቦታታት ኣፍሪቃ

ሓንቲ ካብ ክፍሊ ዓለምና ዝኾነት ኣፍሪቃ፡ ብኣዝዮም ሰሓብቲ ፍጥረታትን ባህርያዊ ጸጋታትን ዝመልአት እያ። ንበጻሕቲ ዝስሕቡ ታሪኻውያን ቦታታት እውን ይርከቡዋ። እዞም ዝስዕቡ ታሪኻውያንን መሰጥትን ቦታታት ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ዝርከቡ እዮም፦

ተብስ፦ ሓንቲ ካብተን ጥንታዊ ኣቕሓ ዝርከበን ከተማታት እያ። እዛ ናይ ጥንቲ ኣቚሑን ቅርስታትን ዝርከባ ከተማ፡ ካብ 2081-1939 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ መበል 11 ስርወ መንግስቲ ግብጺ ካብ ዝነበረ ግዜ ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ። ብተወሳኺ ኣዝዩ ብዙሕ ጥንታዊ ቦታታት ኣብዛ ከተማ ከም ዝርከብ ይግለጽ። ዝተፈላለየ ናይ ስነ-ጥንቲ ኣቚሑ ክርከባ እንከሎ፡ ስንጭሮ ናይቲ ንጉስን ስንጭሮ ናይታ ንግስትን ዝበሃል ቦታ’ውን ኣሎ። ከተማ ተብስ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረሉ ዳህሳስ፡ ገና ዘይዓነዉ ቤት መቕደስ ግብጻውያን፡ ነጋውስ ዝቕመጡሉ ዝነበሩ ፐላሶታት፡ ከም መቓብር ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ጋህሲ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ቅርስታት፡ ቀደም ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣቚሑን ዝተፈላለዩ ጥንታዊ ቅርስታትን ይርከቦ።

ለፕቲስ ማግና፦ ኣብ ናይ ቀደም ዞባ ትሪፖሊታኒኣ ዝርከብ ኣዝዩ ዓቢ ከተማ እዩ። ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ገማግም ባሕሪ ሜዲተራኒያን ዝርከብ ለፕቲስ ማግና፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን ብሊብያ ዝብል ስም ይጽዋዕ። እዚ ቦታ ኣዝዩ ብዙሕ ዝተፈላለዩ ናይ ጥንታዊት ሮማ፡ ኣቚሑ ሒዙ ኣሎ። እዚ ጥንታዊ ቅርስታት፡ ኣብ ሻውዓይ ክፍለ-ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እዩ ብፍንቄኣውያን ተረኺቡ። እዛ ከተማ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ መዲተራንያን ኣዝያ ኣገዳሲት፡ ካብኡ ሓሊፋ’ውን ንሰሃራ መተሓላለፊት ናይ ንግዲ ቦታ እያ ኔራ። በቲ ዝነበራ ልዑል ኣስተዋጽኦ ኣብ ንግዲ፡ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ፍሉጣት ግዝኣት ሮማ ክትከውን ክኢላ እያ። ኣብ 642 ዓመተ ምህረት ብዓረባውያን ምስ ተታሕዘት፡ እዛ ከተማ ዳርጋ ዝበዝሕ ህንጻታታ ዓንዩ። ገለ ክፋሉ’ውን ብሑጻ ተሸፊኑ እዩ ተሪፉ። ዳግም ኣብ 20 ክፍለዘመን ክድህሰስ ዝኸኣለ እዚ ከተማ ገለ ጥንታዊ ናይ ሮማ ኣቑሑ ይርከቦ።

መሮአ፡ እዛ ዝዓነወት ጥንታዊት ከተማ ኩሸቲካውያን፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ፈለግ ናይል ትርከብ ዝነበረት ከተማ እያ። ኣብዚ ሎሚ እዋን ብሱዳን ትፍለጥ ዘላ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ 1ይ ሚለኒዩም ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እያ ተመስሪታ። መሮአ፡ ኣብ 750 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ንንግስነት ኩሽ እታ ደቡባዊት ማእከል ምምሕዳር እያ ኮይና ነይራ። ጸኒሓ’ውን ርእሰ ከተማ እያ ኮይና። ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን ብኣክሱማውያን ድሕሪ ዘጋጠማ ወራር፡ ክትዓኑ ተገዲዳ እያ። እዛ ዝዓነወት ጥንታዊት ከተማ፡ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ክትድህሰስ እንከላ፡ ኣብ መጀመሪያ 20 ክፍለ ዘመን ገለ ክፋል’ዚ ከተማ ተፋሒሩ ተረኺቡ እዩ። ኣዝዮም ብዙሓት ፕይራሚዳት፡ ፓላሶታትን ቤት መቕደስን ዝተረኽባ ከተማ መሮኣ፡ በቲ ዝጸንሓ ስርሓት ቅርጻ ቅርጽን ባህላዊ ቅርስታትን ሓንቲ ካብተን ኣብነት ዝኾና ከተማታት ምድረ ንግስነት ኩሽ እያ።

ንውሽጢ መሬት ዝተጸርበ ቤተክርስትያን ላሊበላ፦ እዚ ኣብ  ኢትዮጵያ ዝርከብ፡ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ዝኾነ ቤተ-ክርስትያን፡ ብዘለዎ ትሕተ ቅርጺ ሓደ ካብቶም መስሕብ በጻሕቲ ዝኾኑ ቅርስታት ኣፍሪቃ እዩ። እዚ ኣዝዩ ፍሉጥ ቤተክርስትያን ካብ መሬት ንውሽጢ ንታሕቲ ዝተሰርሐ ህንጻ እዩ፡ ኣብ መወዳእታ 12 መጀመሪያ 13 ክፍለ ዘመን ኣብ ዝነበረ ግዜ ከም ዝተሰርሕ ይፍለጥ። እዘን ኣብ ውሽጢ’ዚ ህንጻ ላሊበላ ዝርከባ 11 ኣብያተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ግዜ ንጉስ ላሊበላ እየን ተሃኒጸን። እዘን ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ክልተ ክፋል ተኸፊለን፡ በቲ ብትሕቲ መሬት ዘለወን መተሓላለፊ ይራኸባ። ኣብ መንጎ እዘን 11 ኣብያተ-ክርስትያን፡ መድሃኔኣለም ቤተ ክርስትያን፡ ዝዓበየ ቤተ-ክርስትያን ናይ ጎሎጎታ ጋህሲ ናይ ላሊበላ ዝርከቦ ስፍራ፡ በቲ ኣብ ጥሉል ዝባን ዝተቐብአ ቅብኣታት ዝፍለጥ ቤተ-ክርስትያን ማርያም፡ ገለ ካብቶም ኣብያተ-ክርስትያን እዮም። እዚ ኣማኢት ዓመታት ዘቚጸረ ቤተ-ክርስትያን በብዘለዎ በዓል፡ ዝካየድ ንግደት ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ በጻሕቲ የአንግድ። እዚ ድማ እዛ ሃገር ካብ እትእንግዶ ክብረ በዓል ኣዝዩ መሳጢ ይገብሮ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com