Friday , April 26 2024

ነዊሕ ጉዕዞ ሓቐኛ ዛንታ ቐዳማይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

እቲ ቀደም ዝነበረ ሎሚ የለን፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ንሄለን ክፈልጣ ከለኹ፡ በቲ ኣብ ትምህርቲ ዝነበራ መንፍዓትን፡ ንስድርኣን ፈለጥታን ብትህቦ ክብርን’ዩ፡ እንተ ሎሚ ግና ኣይግድንን።

ኣብታ ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምሰጋገሪ ዝጥቐሙላ ሃገረ ግሪኽ፡ ምስ ሄለን ጎፍ ንጎፍ ኣብ ሓደ ቤት መስተ ብኣጋጣሚ ምስ ተራኸብና፡ እታ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝፈልጣ ሄለን፡ ኣብ ገለ ሸነኻ ተቀይራትኒ ከምዘላ ክረጋግጽ ግዜ ኣይወሰደለይን፡ እንተውሓደ ቤት መስተ ምእታዋ፡ ከም ጽዩን ነገር ትወስዶ ብምንባራ፡ ሕጂ ኣብቲ ንሳ እትጽይኖ ቦታ፡ ብርእሰ ምትእምማን ተኾይጣ ክርእእያ ምኽኣለይ ጥራይ፡ ንግምተይ ናብ ርጉጽነት ቀየርክዎ።

“እንታይ ድኣ?” ቅድሚ ሰላምታ፡ ሕቶ ኣቅረብኩላ። ኣብ ቤተ መስተ ክትጸንሓኒ ትጽቢተይ ኣየነበረን።

“ቅድሚ ሰላምታ ድዩ?” ዕትብ ኢላ ስርዓት ከተትሕዘኒ ፈተነት።

“ሰላም ዘይምባለይ ይቅሬታ! ግና ግና_ _ _” ከም ዝተጋገኹ መረጋገጺ ወልደፍደፍ በልኩ፡ ብርግጽ ኣብዘይቦትኣ ምጽንሓ ድንግርግር ኢሉኒ ነበረ። ልዕሊ ብርካ ዝበጽሕ ኣከዳድንኣን፡ ብዝተፈላለየ ሕብርታት ዝወቀበ ገጻን፡ ንምጭውነታ ዝያዳ’ኳ ኣጉሊሕዎ ይንበር፡ ምስ’ቲ ዝዓበየትሉ እሩም ኣካይዳ ግና ዝሳነ ኣይነበረን። እታ ብትሕትናኣ ዝፈልጣ ሄለን፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ ምሉእ ብሙሉእ ተቀይራትኒ ነበረት። ሓቒ ንምዝራብ ንስራሕ ‘ኣመንዝራነት’ ተታሓሒዛቶ ኣላ ዝብል ግምት ክትል በለኒ። ካብቲ ቀደም ዝፈልጣ ብኣካዳድንኣን ዝነበረቶ ቦታን ብዓቢኡ ኣልኮላዊ መስተ ትሰቲ ብምንባራን፡ ብውሽጠይ ዘምጻኽዎ ሓሳባት፡ ናብ ልክዕነት ዝዛዘወ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ ኢለ ሓሰብኩ። ኣብ ዝተቐመጠትሉ ወንበር ኮፍ ብምባል፣ ከዕልላ ወሰንኩ። ኣብቲ ፈለማ ስክፍታ ሓዊሳ ውሽጢ ከይኣተወት ከተዕልለኒ’ኳ ኣንተጀመረት፡ ስዒባስ እቲ ዝሓለፈቶ መስገደልን ዝወሰደቶ ምርጫን፡ ልባ ከፊታ ከተውግዓኒ ብምጅማራ፡ ልበይ ብድንጋጸ ክምላእ ግዜ ኣይወሰደን፡ እታ ብትሕትናኣ ዝፈልጣ ሄለን፡ ሕፍረት ከይዓንቀጻ፡ ነቲ ብጸበባ ዝተኸበ ናይ ሓጺር ግዜ ጸገማታ ዓይኒ ዓይነይ ኣናጠመተት፡ ነቲ ንሳ ዝሓለፈቶን ትሓልፎ ዘላን ከተዘንትወለይ ጀመረት፡ ልብኻ ዝበልዕ ተንካፊ ዛንታ፡ መንእሰያት ክምሃርሉ ኣለዎም ብምባል ድማ ነቲ ተንካፊ ዛንታ ናባኹም ከብሎ መሪጸ ኣለኹ፡ ናይታ ብትምህርትን ትሕትናን ዝፈልጣ ዝነበርኩን፡ ሕጂ ግና ጠቕሊላ ዝተቀየረትንን ሄለን ተኽለማርያም- – -።

“ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኢና ኣብ ስደት ንራኸብ ዘለና፡ ኣብ ብዙሕ ነገራት ተቀይርክኒ?” ሰላምታ ከየጽገብኩ ናብታ ሕርኽርኽ ዝበለኒ ጉዳይ ኣተኹ።

“ኣብ ምንታይ ድእ ተቐይረካ?” ንሕቶይ ብሕቶ መለሰትለይ።

“ንኣብነት መስተ ክትሰትይን ኣብ ቤተ መስተ ክትኣትውን ትጽቢተይ ኣይነበረን፡ ብዓቢኡ ኣብ ትምህርቲ ንፍዕቲ ኢኺ ነይረኪ፡ ኣብ ስደት ክርእየኪ ኣይተጸበኹን?” ብቐጥታ ናብ ሕቶይ ኣተኹ።

“ይገርመካ’ዩ!” ኣዕሚቛ ኣስተንፈሰት።

“ሓንሳእ ሓንሳእ ኣብ ዓለም፡ ከምቲ ንስኻ ትሓስቦ ወይ’ውን ትምነዮ ኣይትኸይድ ኢኻ፡ ነናትካ ዕጫ ኢኻ ተልዕል፡ ብርግጽ ከምቲ ንስኻ ትፈልጠኒ የለኹ፡ ዝያዳ ተዘሪገን ካብ’ቲ ልክዕ መስመረይ ኣንሸራቲተን’የ ዘለኹ፡ ሓንቲ ኢላ ዝጀመረት ጌጋ፡ ካልእ ተወሳኺ ጌጋታት ተደሪብዎ እነኹልካ ብብመዓልቱ ናብ ገደል የንሸራትት፡ ግዝእቲ ናይ ኣልኮላዊ መስተ ጥራይ ዝኾንኩ ይመስለካ ኣሎ፡ ንመዓልቲ ሓንቲ ሹሻ ከይስሓብኩ እንተውዒለ፡ ነብሰይ ልክዕ ብገመድ ከምዝተኣሰረ ተጠሚሩ እዩ ዝውዕል፡ በጃኻ ናተይ ዝገርም’ዩ- – -፡” ዘረብኣ ኣንጠልጢላ ኣትኪላ ጠመተትኒ። ኣብ ገጻ ዝደጉሕ ብርሃን’ኳ እንተስተብሃልኩ፡ ልሳና ግና ካልእ ይበለኒ ነበረ።

“እቲ ታሪኽ ነዊሕን ዝተሓላለኸ’ዩ፡ ምስ ሓንቲ ናይ ቀረበ መሓዛይ ዝተኣሳሰረ’ዩ ድማ፡ ልክዕ ሓሙሽተ ዓመተ ገይሩ ኣሎ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዓመተ 2014 እዩ፡ ሓንቲ ኣብ ሽወደን ትነብር ኣብ ካልኣይ ደረጃ መማህርተይ ዝነበረት፡ ኣብ ፈይስ ቡክ ይረኽባ’ሞ፡ ናብራ ኤውሮጳ እቲ ከክርዳዱ ሓቢኣ፡ ብዛዕባ ጽባቀ ኤውሮጳ ደጋጊማ ከተዕልለኒ ምስ ጀመረት፡ ውሽጠይ ብቅንኢ ክሕመስ ይፍለጠኒ፡ ኣይትኣምነን ትኸውን ወትሩ ብሉጽ ክዳውንቲ ተኸዲና ኣብ መሳጢ ቦታታት እናተሳእለት ክትሰደለይ ምስ ጀመረት፡ ‘ኤውሮጳ ኪዲ ንሱ’ዩ ናትኪ ዝበለጸ ቦታ፡ ከም መሳቱኺ ኣጋይጺ’ ዝብል ሓሳባት ክትል ክብለኒ ጀሚሩ፡ ቀትርን ለይትን ብዛዕባ ኤውሮጳ ጥራይ ኮይኑ ሓሳበይ፡ ትዝክሮ ትኸውን ኣብ ትምህርቲ እምብዛ’የ ንፍዕቲ ነይረ፡ ተማሃሪት ራብዓይ ዓመት ኮለጅ ማይ ነፍሒ’የ ነይረ። ዳርጋ ክምረቅ ዝተረፈኒ ኣይነበረን፡ ግና ነዚ ኩሉ ገዲፈ፡ ናብራ ስደት ክብህግ ጀሚረ፡ ነቶም ከም ሰብ ተማሂረ ኣብ ዝብጻሕ ክበጽሕ ትጽቢትን እምነትን ዝነበሮም ወለደይ ረሲዐ፡ ካብ ትምህርተይ ክሃድም ጀሚረ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እናኸድኩ፡ ብኸመይ ካብ ሃገር ይወጽእ ጥራይ ክሓስብ ጀሚረ፡ ብዓቢኡ ከማይ ዝተምሃሩ ለውጢ ከምጽኡ ይዕዘብ ብዘይምንባረይ፡ ዝያዳ ንሓሳበይ ዘረጉድ እናኾነ መጺኡ፡ ዕረ እናጥዓመኒ ድማ ኣብ ወርሒ የካቲት ናይ 2015 ብመንገዲ ስግረ ዶብ፡ ነቶም የሐንቒቖም ዘዕበይኑን ብሩህ መጻኢ ናተይ ዝጽበዩን ዝነበሩ ወለደይ ገዲፈ፡ ብመንገዲ ስግረ ዶብ ናብ ሃገረ ሱዳን ከይደ። እቲ ዝዓበየ ጸገመይ ድማ ካብዚ’ዩ ዝጅምር፡ ክትኣምኖ ዘጸግም ሽግር- – -፡” ብትካዘ ስቕ በለት።

“ይሰምዓኪ ኣለኹ?” ናብቲ ዝጀመረቶ መሳጢ ዕላል መለስክዋ።

“ይከርመካ’ዩ!” ነቲ ፍጻሜ ግዲ ዘኪራ ተመጣልዐት።

“ሱዳን ምስ ኣተኹ፡ እቶም ሒዘሙኒ ዝኸዱ ደላሎ ሕሳብ ናይ መስገሪ ክሕውል(ክኸፍል) ምስ ኣዘዙኒ እምብዛ’የ ተጠላቕየ፡ እዚ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ክልተ ኣሕዋተይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣለዉኒ፡ ቴድሮስ ኣብ ኣሜርካ’ዩ ዝቅመጥ፡ ሃብተ ድማ ኣብ ኖርወይ፡ ነዞም ክልተ የሕዋተይ ክኸፍሉለይ ምስ ሓተትክዎም፡ ‘ትምህርቲ ገዲፍኪ እንታይ ክትገብሪ መጺኺ?’ ብምባል ንኣስታት ሓደ ወርሒ ምኽፋል ኣብየሙኒ፡ ኣብዚ ቦታ ዝሓለፍክዎ ማህረምቲ ኣነ ጥራይ’የ ዝፈልጦ፡ እቶም ኣሰጋገርቲ ቐልጢፎም ገንዘቦም ክሕዙ ብምድላዮም፡ ከም ሕሱም’ዮም ገሪፎሙኒ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ የሕዋተይ ስለ ዝኸፈሉለይ፡ ካብ መግረፍቲ ድሒነ ናብ ካርቱም ከይደ፡ ኣብዚ’ውን ዓቢ ፈተነ’ዩ ገጢሙኒ—፡” ተቀዲሓ ካብ ዝነበረት ብርጭቖ፡ ቢራ ጨለጠት። ዕረፍቲ ዘይህብ ኣሳትይኣ፡ ንጸገማ ዘብርህ ነበረ።

“ናብራ ካርቱም ብዘይ መጠን ከቢድ’ዩ፡ ስራሕ የለን፡ ሃሩር፡ ብዓቡኡ ንኤውሮጳ ክሰግር ዝነበረኒ ህንጥዩነት ቅልጥፍ ኢሉ ክሰልጠኒ ስለ ዘይክኣለ ጭንቐት ፈጠረለይ፡ ምስ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ብሓባር ገዛ ተኻርየ ድማ ክቕመጥ ጀመርኩ፡ ምስተን ምሳይ ዝነበራ ኣዋልድ ብባህሪ ክንረዳዳእ ስለ ዘይክኣልና፡ ዓቅለይ ስቅ ኢሉ ክጽንቀቅ ጀሚሩ። ተስፋ ዘይብሉ ኣብ ገዛ እናበላዕኩን እናደቀስኩን፡ ንግዜይ ብዘይ ጠቕም እናጥፋእኩ፡ ዳርጋ ክልተ ዓመት ብዘይ ፍረ ኣሕሊፈዮ፡ ኣብ ዓመተ 2017 ግና ሓደ ሓሳብ ክትል ክብለኒ ጀሚሩ፡ ኣሕዋተይ ፕሮሰስ ነሳልጠልኪ ኣለና’ኳ እንተበሉኒ፡ ግዜ ስለ ዝነውሐ ናተይ ስጉምቲ ክወስድ ክንቀሳቀስ ጀሚረ፡ ብሳህራን ማእከላይ ባሕርን ዘሎ መንገዲ ክፍትን’ኳ ሓሲበ እንተነበርኩ፡ ንሱ ስለ ዝተዓጸወ፡ ብመንገዲ ሓደ ሰብ ዘማኸረኒ፡ ብመንገዲ ቱርኪ ናብ ሃገረ ግሪኽ ክሰግር’ሞ፡ ብእኡ ገይረ ናብ ኤውሮጳ ክኣትው ምኽሪ መጻኒ፡ ነዛ ምኽሪ ንምትግባር ድማ ክንቀሳቀስ ጀመርኩ፡ ጥራይ ይሰለጠኒ እምበር ኩሉ ክፍትን ድሉው ነበርኩ—፡”

“ሓንሳብ’ሞ!” ንዘረብኣ ኮለፍክዎ። “ንምንታይ ግና ኣሕዋትኪ ሓንሳብ ጽንሒ ኣናበሉኺ ዘይትጸንሒ?” ኣብ ኣእምሮይ ዝመጸ ሕቶ ሓተትክዋ።

“ሓንሳብ እንተኣንቂድካ ጸገም’ዩ፡ ኣብቲ ጸኒሐ ዘዕልለካ ናይ ቱርኪ ዛንታ’ውን ክንደይ ዕሽነት ክትሰምዕ ኢኻ፡ እንታይ ጸገም ኣሎ መስለካ? በዚኣ ኣላ መንገዲ እንተኢለሙኻ፡ ስቕ ኢልካ ትኣትዋ፡ ነዛ ህይወትና’ኳ ኢና ዘይንሓስብ ዘለና፡ ክንደይ ሰብ ድዩ ሕማቅ ኣሎ መንገዲ እናበልዎ ስቅ ኢሉ ድርግም ዝብሎ፡ ሽዑ ጥፍኣት ይስዕብ፡ ነዛ ነብስና ጽባሕ ብኻልእ መንገዲ ክትዕወት ምዃና እናፈለጥና፡ ናብ ባሕሪ ድርግም ነብላ ከምዛ ዘይትጠቕም፡ ኤውሮጳ ወይ’ውን ኣሜሪካ ከይበጻሕካ ሞት ከምዘሎ ንርስዕ ኮይና፡ ሓጺር ንሓስብ ኮይና፡ ክገርመካ ኣብቲ ካብ ቱርኪ ናብ ግሪኽ መንገዲ ዘሎ ዕሽነት ክነግረካ’የ፡ ኣብ ኮንቴነር ተዓጺኻ እናኸድካ ከለኻ፡ ሕጽረት ትንፋስ የጋጥም’ሞ ስቕ ኢልካ ንዓናይ ይብሉኻ፡ ንምእታው ጥራይ ይሓስቡ፡ ከይኣተኻ ሞት’ውን ኣሎ። ቅልጥፍ ኢልካ ክትኣትው ኢኻ ትደልይ። መሊሰልካ’ዶ?” ዓይኒ ዓይነ ጠመተትኒ።

“ብርግጽ ተመሊስለይ ኣሎ! ንቀጽል በሊ ናይ ሱዳን?” ንድሕሪት መለስክዋ።

“ኣብ ሱዳን ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊአ ፓስፖርት ሒዘ፡ ብመንገዲ ሓደ ደላላይ ድማ፡ 5000 ሽሕ ዶላር ዝኽፈሎ፡ ናብ ቱርኪ ንምኻድ ምስ ሓደ ደላላይ ተሰማማዕኩ፡ እቲ ክፍሊት ቱርኪ ምስ ኣተኹ ዝኽፈል ብምዃኑ፡ ሕጂ’ውን ነሕዋተይ ከይነገርኩ ክኸይድ’የ ምስ ነብሰይ ወዲኤዩ፡ ኣብቲ ቱርኪ ምስ ኣተኹ ንኣሕዋተይ ይነግሮም’ሞ ንሶም ይኸፍሉለይ፡ በዚ ሕሳብ ተሰማሚዔ ፓስፖርተይ ነቲ ደላላይ ምስ ሃብክዎ፡ ኩሉ ሰሪሑ ንቱርኪ ተበገሲ በለኒ፡ ሽዑ ዝተሰምዓኒ ሓጎስ ክነግረካ ኣይክእልን፡ በቓ! ሓጎሰይ ምቑጽጻር’የ ስኢነዮ፡ ዕላማይ ዝወቓዕኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡ ፍርቒ ኤውሮጳ በጺሐ ኢለ ተኣማሚነ፡ ምስ ሓጎሰይ ድማ፡ ናብ ቱርኪ ነቒለ፡ ኣብ ኣየር ተሰቒለ ኣኽመስሚሰ፡ ግና እቲ ዘሰምብድ ዛንታይ ይጅምር ከምዘሎ ኣይተረድኣንን፡ እንድዒ ወደይ ናብ ዝኸፍኣ በቓ!” ንብዓት ጸረር ኣበለት።

“ብፍላይ ናይ ዕለት 17 መስከረም 2019 ዝርስዖ ኣይኮንኩን፡ ኣታ ዝገርም’ኳ እዩ፡ እንድዒ ወደይ! እናኽተስምዖ ዝመርር ዛንታ’ዩ፡ ኣይክኣልኩን—፡” ንብዓታ ዛረየ፡ ከቢድ ዛንታ ክትነግረኒ ምዃና ግልጺ ኮነለይ፡ ግና ክትዛረብ ዓቕሚ ስኣነት፡ ነታ ዝጠቐሰታ ዕለት ዳግማይ ደገመትለይ።

“ብፍላይ ዕለት 17 መስከረም 2019 ኣይትኣምነንን ትኸውን፡ በቓ ሕጂ ክገልጸልካ ኣይክእልን’የ ግዜ ሃበኒ—፡” ሕጂ’ውን ዓቅሚ ስኢና ብንብዓት ተነኽነኸት። ኣነ’ውን ኣባቢደ ነቲ ዝቕጽል ኣደንጻዊ ዝበለቶ ዛንታ ክሰምዕ ተጸበኹ።

ይቕጽል. . .!


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com