Friday , April 26 2024

ናይ ርሕቀት ትምህርቲ፡ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ኤሰፊ (SFI)፡ ኣሉታዊ ጽልዋ ፈጢሩ ተባሂሉ

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ማልመ ዝርከቡ ተማሃሮ ኤሰፊ (SFI)፡ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ክመሃሩ ምጽነሖም ይፍለጥ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብዚ እዋን መርመራ ተኻፊሎም ዝሓለፉ ሰባት፡ ካብቲ ንቡር ዝተሓተ ምንባሩ መጽናዕታዊ ዳህሳስ፡ ናይተን ኣብ ምምሕዳራት ኣከባቢ ከተማ ማልመ፡ ዝርከባ ቤት ትምህርታት ኤሰፊ ሓቢሩ።

ተማሃሮ ኤሰፊ፡ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ክመሃሩ ምስ ጀመሩ፡ ከምቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ እንከለዉ፡ ቋንቋ ሽወደን ምዝራብ ኣቋሪጾም ክትብል መምህር ኤሰፊ፡ ካትሪና ቲሮን፡ ሓቢራ። መብዛሕትኦም ተማሃሮ፡ ኣብ ገዝኦም፡ ብፍላይ ድማ ምስ ደቆም፡ በቲ ዝፈልጥዎ ናይ ኣደ ቋንቋ እንተዘይኮይኑ ብቋንቋ ሽወደን ክዛረቡ ኣይፍትኑን እዮም ክትብል ወሲኻ።

ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ካብ ዝጅምር፡ እቶም ቋንቋ ሽወደን ዝመሃሩ ተማሃሮ ኤሰፊ፡ ጸገማት ከምዝረኸቡ መብዛሕትአን ምምሕዳራት ከምዘረጋገጸኦ ሬድዮ ኢኮት ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ኣብ ዓመተ 2019፡ ብዝሒ ተማሃሮ ኤሰፊ፡ ክሳብ 150 ሽሕ በጺሑ ምንባሩን ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን እቲ ብዝሒ ክንደይ ከምዝኾነ፡ ሃገራዊ ትምህርታዊ ኤጀንሲ፡ እኹል ሓበሬታ ከምዘይብሉ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com