Sunday , May 12 2024

ናይ ገዛእ-ርስኻ መልዕሎ፡ ባዕልኻ ምርኣይ ከም ዝከኣል ተሓቢሩ

ካብ ሎሚ ጀሚሩ እቲ ካብ ጥሮታ (መልዕሎ) ናይቲ ዝመጽእ ዓመት ትወስዶ ናይ መልዕሎ ክፍሊት መወዳእትኡ ክንደይ ከም ዝኸውን ኣቐዲምካ ብልክዕ ምፍላጥ ከም ዝከኣል ተሓቢሩ፡፡ እታ ነዚ ዝጸብጻብ ዘቕረበት ሬድዮ P4 ኖርቦተን ድማ ኣቃልቦ ሰባት ትስሕብ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡

ብፍላይ ነቶም ኣብ ትካል መልዕሎ ሽወደን ንኽኣትዉ ዝምዝገቡ ሰባት እቲ ናይ መወዳእታ ኣሃዝ ብመንገዲ ኢንተርነት ክረክቡዎ ከምዝኸሉን እንተዘይኮይኑ ድማ እቲ መልእኽቲ ኣብ መወዳእታ ጥሪ ኣብ ጶስጣ-ሳጹን ክሳብ ዝኣቱ ክጽበዩ ከም ዝግደዱ ተሓቢሩ፡፡

ካብቶም 10 ጥሮታ ዝወጹ ሰባት እቶም 8 ድሕሪ ግብሪ ዝወስዱዎ ናይ መልዕሎ ከምኡ ውን ሓሓሊፉ ናይ ስትሕጋግ ክፍሊት ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ብውሕዱ ወርሓዊ ካብ 360 ክሳብ 840 ክሮነር ከም ዝውስኽን ንገሊኦም ግን ውሑድ ወሰኽ ክግበረሎም ከም ዝኾነን ብመሰረት ትካል መልዕሎ ሽወደን ዝሃቦ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢኡ ሎ፡ ፡

እዚ ወሰኽ፡ ምስቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ማለት 2020 ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብዚ ዓመት `ዚ ዝለዓለ ክኸውን ከም ዝኸልን እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ 2021 ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዝተራእየ ዝሓየለ ዕብየት ኣታዊ ቐጥታዊ ምትእስሳር ከምዘለዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com