Friday , April 26 2024
ብናስሮቪች

“ናጻ ሕርያ” ብናስሮቪች

ትምል ምሸት “ሰብ ክሳብ ክንደይ ናጻ ሕርያ ኣለዎ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ምስ ሓደ ብጻየይ ደስ ዝብል ዕላል ጌርና። ዕላልና ብረቂቕ ህላዌን ደራኺ ሓይልን “ገዛኢ መንፈስ” ( Zeitgeist) ዝተቓነየ እዩ ኔሩ።

ወከፍ ወለዶ ንመላእ ድርኺቱን ሓሳቡን፡ ብቐንዱ ድማ ንህይወቱ ትርጉም ዝህበሉን ዘማእዘነሉን” ገዛኢ መንፈስ” (spirit of the age) ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ 60ታትን መፋርቕ ሰብዓታትን ዝነበሩ ኣያታትና በቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ገኒኑ ዝነበረ “ገዛኢ መንፈስ” ማሕበራውነት እዮም ዝድረኹ ኔሮም። “ገነት ኣብ ምድሪ ክንተኽላ ኢና” ብዝብል ዩቶፕያዊ ሕልሚን ርሱን ድርኺትን እናተቓጸሉ፥ ገሊኣቶም ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝነበሮም ላዕለዋይ ናይ ትምህርቲ ዕድልን ርሁው መጻኢን ጠንጢኖም ናብተን ኣርማ ማሕበራውነት ኣልዒለን ዝቃለሳ ዝነበራ ውድባት ተጸንቢሮም። ንስለ ዝኣመንሉ ዕላማ ክብሉ ምቾት ተሓሪሞም ምስ ርስሓትን ባልዕ፥ ሞትን ስንክልናን ተመሓዝዮም። ካብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ናብ ሜዳ ምውራድ ኮንሸስ ምርጫኦም እዩ ኔሩ ብርግጽ፡ እቲ ኣብ ዘመኖም ገኒኑ ዝነበረ” ገዛኢ መንፈስ” ግና ካብ ምርጫኦም ወጻኢ እዩ! ኣብቲ ዘይመረጽዎ ኣዝዩ ገዚፍ ቀጽሪ፥ ኣብ ሓንቲ ጸባብ ናይ ምርጫ ዓንኬል እናተዋስኡ ገሊኦም ሞይቶም፥ ገሊኦም ብኣካልን ኣእምሮን ሰንኪሎም፡ ገሊኣቶም ከኣ በቲ ዝፈጠርዎ ዓርሞሸሽ እከይ ኣብ ዓሚቚ ጣዕሳ ተሸሚሞም “እህህ!” እናበሉ ይነብሩ’ለዉ።

እቲ ነያታትና ዝድርኽ ዝነበረ “ገዛኢ መንፈስ” ሎሚ ሸውዓተ መዓሙቚ ጥሒሉ፥ ኣሰሩ’ውን ኣይርከብን እዩ።

ሎም ሎም ንወለዶና ዝድርኽ ዘሎ መንፈስከ ከመይ ዝበለ እዩ።

ወለዶና ንድየት ስነሓሳብ ዝሕላገቱ the end of ideology ብምባል ዝፍለጥ እዋን እዩ። ሎሚ ብዘይምግናን ኣብ ኤርትራን ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ዘሎ ገዛኢ ድርኺት “ስደት” እዩ። “ሎም ዘይተሰደ ብደው ከም ዝሞተ” ዝተባህለ ክመስል ኩሉሰብ “ቊልቢ ባዕልኻ ትፈልጥ” እናበለ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይስደድ ኣሎ። ስደት፡ ሸመታ፡ ኒሂሊዝም፡ ረኣዩኒ (ፌይስቡክ) ናይዚ ንዱይ ዘመን ገዛእቲ ጣኦታት ኮይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ። እቶም ኣብ ፈለማ ሰብዓታት” ብዓለምለኻዊ ዲታቶርያውነት ሸቃላይ” ሽግር ዓለም ንሓዋሩ ክፍታሕ እዩ፡ብምባል ኣብ ኤርትራ፥ ትግራይ፥ ሞዛምቢክ፥ ክዩባን ካልእን እተቓለሱ ሸባባት እዚ ናይ ዘመንና ገዛኢ መንፈስ ክመጽእ እዩ ዝብል ሓሳባት ሓንሳብ’ውን ኣእምሮኦም ዳህሲስዎ ይፈልጥ ኣይነበረን። ንሱ ካብ ኣመሪካን ኣውሮጳን መጺኡ ተጋዲሉ፥ ደቁ ዝኽፈል ከፊሎም ናብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ተሰዲዶም።፡ካብዚ ዝዓቢ paradox ምሕሳብ ዝከኣል ኣይመስለንን።፡

ኣብ ዘመንና ክልተ ገዛእቲ መንፈስ ክተኻኽኡ ንሪኢ ኣሎና። ደቅናኸ እንታይ ዓይነት መንፈስ እዩ ክድርኾም። ጽቡቕን ሃናጺን ክኾነሎም ካብ ምምናይ ሓሊፍና እንታይ ክንብል ንኽእል?

ምኽንያቱ “ናጻ ሕርያ” ዝበሃል ሓሳብ ብመሰረቱ illusion እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com