Monday , May 13 2024

ንብርቱዕ ኲነታት ኣየር ዝምልከት ህዝባዊ መጠንቀቕታ ኣይተላእከን ተባሂሉ

Credit: Johan Nilsson

ዝሓለፈ ሰሙን ዋላኳ ከቢድ መጠንቀቕታ ኩነታት ኣየር እንተወጸ፡ ነቲ ኣብ ስካን ኣብ ሞተር ዌይ E-22 ኲለን ተሽከርከርቲ ደው ክብላ ብምቕሳብ ገዚፍ ዕልቕልቕ ትራፊክ ዝፈጠረ ብርቱዕ በረድን ንፋስን ብዝምልከት፡ ኣገዳሲ ህዝባዊ መተሓሳሰቢ ኣይተላእከን ዝብል ወቐሳ ቀሪቡ። ብምኽንያት እቲ ኲነታት ኣየር ገለ መራሕቲ መካይን ክሳብ ዕስራ ሰዓታት ኣብ መካይኖም ተዓጽዮም ክጸንሑ ተገዲዶም እዮም። ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን ብዛዕባ እዚ ኲነታት ኣየር ዘድሊ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ምብጻሕ ሓላፍነቱ ምንባሩ “ኣገልግሎት ህይወት ኣድሕን” ገሊጹ’ሎ። ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን ብወገኑ ነኢ ጒዳይ ከመይ ኣልዮምዎ ዝምልከት ገምጋም ክሳብ ዝዛዘም ዝኾነ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com