Friday , May 10 2024

ንጉስ ጉስታፍ “ዓመተ 2023 ብብዙሕ መዳይ ጸልማት ዓመት ኮይና’ያ ትሓልፍ ዘላ”

ንጉስ ሽወደን ካርል ጉስታፍ መበል 16 ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስቶክሆልም ካብ ንጉሳዊ ቤተ መንግስቲ ስቶክሆልም ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘስምዖ ወግዓዊ መደረ፡ 2023 ንሸወደን ይዂን ሃገራት ወጻኢ ጸላም ዓመት እያ ኔራ ክብል ገሊጹ። “2023 ብብዙሕ መዳይ ጸልማት ዓመት’ያ ነይሩ። ኣብ ከተማ ብራስለስ ሕብርታት ሃገሮም ብዂርዓት ዝወደዩ ሽወደናውያን ናብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ እናተጓዕዙ ተቐቲሎም። እዚ ዘስካሕክሕን ዝዂነንን ተግባር እዩ” ኢሉ’ሎ። ኣብ ሽወደን እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ብጒጅለታት ገበና ዝፍጸም መቕተልትን ካልእን ገበናት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ህዝቢ እታ ሃገር ዘሕልፎ ዘሎ መከራ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝበጽሐ ሞትን መከራን፡ ሰላማዊ ፍታሕ ከኣ ርሑቕ ይመስል ምህላዉን ብምልዓል እዩ ጉስታቭ ነዛ ንሰናበታ ዘሎና ዓመት “ጸላም” ክብል ጠቒስዋ ዘሎ። ንሱ ብዘይካዚ ንዓለማዊ ብድሆ ክሊማዊ ለውጢን ዋዕላ ኮፕ-28 ን ብምልዓል ህዝቢ ብዛዕባ እዚ ብድሆ ናብ ሓደ ስምምዕ ይበጽሕ ምህላዉ ሓደ ጽቡቕ ስጒምቲ እዩ ክብል ናእዳኡ ገሊጹ። ኣብዛ ዓመት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም መበል 50 ዓመት (ብሩራዊ እዮቤልዩ ንግስነቱ) ዝጸንበለ ወዲ 77 ዓመት ንጉስ ጉስታፍ፡ ንሱን ንግስትን ወርቃዊ ነዚ ንምጽንባል ኣብ ኩለን ኣውራጃታት ሽወደን ዝገብርዎ ወግዓዊ ዑደት ብልዑል ፍቕሪ ዘኪሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com