Sunday , May 12 2024
Foto: Blåljusbilder

ን ክሲ ሰነዳዊ ምድላዉ ተሌቪዥን ኣመልኪቱ ተጀሚሩ ዝነበረ መርመራ ተዓጽዩ።

ኤጀንሲ ሕጋዊ፡ ፋይናንሳዊን ምምሕዳራዊን ጒዳያት- “ካማርኮሎጌት”–፡ ን ክሲ ሰነዳዊ ምድላዉ ተሌቪዥን ኣመልኪቱ ጀሚርዎ ዝነበረ መርመራ ደው ከብሎ ምዃኑ ገሊጹ። ሓሙሽተ ካብቶም ሸሞንተ ኣብ ባይቶ ዝቕመጡ ሰልፊታት ሽወደን፡ ን ሕጊ ወፈያ ክጥሕሱ ፈቲኖም፡ ዝብል ክሲ ብ ሰነዳዊ ናይ ተሌቪዥን ፕሮግራም ተላዒሉ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።  ኣብ ቲቪ “ፎር” መርማሪት ፕሮግራም “ካላ ፋክታ”፡ እዞም ሓሙሽተ ሰልፊታት ዘይሕጋዊ ናይ ወፈያ ገንዘብ ክቕበሉ ተዳልዮም ኔሮም፡ ክትብል ኣቃሊዓ እያ።

እንተኾነ ግና ኣብቲ ፕሮግራም ይኹን ድሒሪኡ ኣብ ዝተኻየደ መርመራ፡ ዝኾነት ሰልፊ ነዚ ኣዋጅ ተሓታትነት ብዛዕባ ምጥሓሳ እዂል ጭብጢ ኣይተረኽበን፡ ክብል ዳይረክተር ጀነራል እዚ በዓል-መዚ ጉናር ላርሰን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com