Friday , May 10 2024
Pixabay

ኖርወይ፥ ብገበን ተፈሪዶም ዝጸንሑ ሰባት ኣብ ዝርዝር ሕጹያት ውድባት ይኣትዉ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ኖርወይ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ኮም፥ እቶም ኣስታት 500 ሕጹያት መዝገብ ገበን ከምዘለዎም ጋዜጣ
ኣፍተንፖስተን ኣቃሊዓ። ደርዘን ካብኣቶም’ውን ኣብ ልዕሊ ህጻናት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ተፈሪዶም’ኳ እንተነበሩ፡ ውድባቶም
ንባዕለን ብዛዕባ ድሕረ ባይታኦም ኣፍልጦ ከም ዘይነበረን ተሓቢሩ።
ኣፍተንፖስተን ቅድሚ’ቲ ናይ ትማሊ ምርጫ ኣብ ዝዘርግሖ ተኸታታሊ ጽሑፋት፡ እዞም ሕጹያት “ስልጣንን እምንቶን መራጽቲ
ይደልዩ ምህላዎም” ጽሒፉ’ሎ። እዞም ሕጹያት ካብ ጎነጽ ክሳብ ፋይናንሳዊ ዓሎቕን ምኽዛን ዘይሕጋዊ ኣጽዋርን ዝበጽሕ ገበናት
ፈጺሞም ተኸሲሶም ዝጸንሑ እኳ እንተኾኑ፥ ናብ ፖለቲካ ከይኣትዉ ዝኽልኮም ሕጊ የለን። ናይ ማእሰርቲ ፍርዶም ዘሕለፉ
ገበነኛታት ንቡር ህይወቶም ክቕጽሉ ዕድል ይወሃቦም እዩ—እዚ ድማ ኣብ ፖለቲካ ምስታፍ ዘጠቓልል እዩ።
እታ ጋዜጣ ሓያሎ ንቤት ጽሕፈት ዝወዳደሩ ዝነበሩ ናይ ቀደም ተጻወትቲ ቃለ መሕትት ብምግባር ንዓኣቶምን ንውድባቶምን
ኣለልያ’ላ። በዚ ድማ ገሊኦም ከም ዝሓፈሩ፡ ገሊኦም ድማ እታ ጋዜጣ ድሕረ ባይታኦም ብምቅልዓ ምሕራቖም ገሊጾም ኣለዉ።
ሕጹይ ናይ’ቲ ንምዕባለ ንግድን ኢንዱስትሪን ዝቃለስ ሓድሽ ሰልፊ INP፡ ፈለማ እቲ ጒዳይ ምጭብርባር ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ
ሓበሬታ ነጺግዎ እንተነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ጸብጻብ ሓቂ ምዃኑ ተኣሚኑ’ሎ። ኣብ ኖርወይ፥ ሰባት ንውልቀ ሕጹያት
ዘይኮነስ ንውድባት’ዮም ዝመርጹ፡ ብጭቡጥ መን ኣብ ከባብያዊ ባይቶታት ወይ ኣብ ባይቶ ከገልግል ከም ዘለዎ እውን በተን
ውድባት’ዩ ዝውስን።

 

 

Pixabay

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com