Sunday , May 12 2024
Sunlight reflects off the Burj Khalifa, the world's tallest building, during a rain shower in Dubai, United Arab Emirates, Monday, Nov. 26, 2018. A seasonal thunderstorm accompanied by a sandstorm and high winds have swept across the UAE since Sunday. (AP Photo/Jon Gambrell)

ኢማራት ዓረብ፡ ዝናብ ንምምንጫው ትፍትን

ሃገረ ኢማራት ዓረብ፡ ዝናብ ንምምንጫው፡ ኣብ ብራኸ ደበናታት ዝበራ ድሮን ኣዳልያ ኣላ።

ኢማራት ብዘይካ’ዚ መደብ፡ ፕሮጀክት ሕርሻ ደበና፡ ብምጥቃም ውን ትፍለጥ እያ። እዚ ድማ ጨው ናብ ደበናታት ብምዝራእ ዝናብ ዝቀላጠፈሉ ካልእ ኣገባብ እዩ።

ሃገረ ኢማራት፡ ዓመታዊ እትረኽቦ መጠን ዝናብ እናንቈልቈለ ክመጽእ ምጽንሑ ቀንዲ ድርኺት እዚ ፕሮጀክት እዩ ክብል ቢቢሲ ጸብጺቡ’ሎ። እዛ ሃገር ኣብ ዓመት ብማእከላይ ገምጋም 100 ሚሊሜትር ዝናብ ጥራይ እያ ትረክብ።

ኣብ 2017 ከም ኣካል ናይቲ ዝናብ ብሰብ ሰርሖ ኣገባብ፡ ናይ ምምንጫው ጻዕርታት፡ መንግስቲ እታ ሃገር፡ 15 ሚልዮን ዶላር ዝወድአ ፕሮጀክታት ምፍናው ዝዝከር እዩ። ሓደ ካብዞም ፕሮጀክታት ድማ፡ ብዩኒቨርሲቲ ሪዲን፡ ዝምራሕ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ሰማያት ሃገረ ኢማራት፡ ብዙሓት ዝተንጠልጠሉ ደበናታት ኣለዉዋ። ስለዚ ድማ በዚ ኣገባብ እዞም ነጠብጣባት ኣብ ሓደ ተኣኪቦም ክብደት ብምፍጣር ክዘንቡ ኢና ንጽበ ዘሎና። ሓላፊት ፕሮግራም ምምንጫው ዝናብ ኢማራት፡ ዓልያ ኣልማዙሪ፡ እዘን ድሮናት ናብ ደበናታት ጠኒነን ብምእታውን ኤሌክትሪካዊ ነዝሪ ብምፍጣርን ዝናብ ከቀላጥፉ ክንገብር ኢና ክትብል ንኣራብ ኒውዝ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ’ላ።

እዚ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግምጋሙ፡ ምናልባት ዓበይቲ ነፈርቲ ተጠቒምካ ዝናብ ምፍጣር ዝብል ሓሳብ ክስራሓሉ እዩ ክብል እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com