Sunday , May 12 2024

ኢኪላታት ሽወደን ንክሮና ቫይረስ ኣብ ላባራቶሪ ከማዕብልዎ ክኢሎም።

ነቲ ንመላእ ዓለም ኣሰኪፉ ዘሎ ብክሮና ቫይረስ ዝስዕብ ቀታሊ ሕማም መድሃኒት ንምርካብ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ክኢላታት(ሰብ ሞያ)ሽወደን ንፈለማ ግዜ ኣብ ላባራቶሪ ሓደስቲ ክሮና ቫይረስ ከፋርዩ ከም ዝኸኣሉ ንበዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ምርኩስ ብምግባር ስቨኒስካ ዳግብላዴት ዝተባህለት መጽሔት ሎሚ ገሊጻ። እቲ ቫይረስ ካብታ እንኮ በቲ ቫይረስ ልኽፍቲ ዝኾነት ኣብ ከተማ ዮንሾቢን እትርከብ ጓል ዒስራ ዓመት ዝኾነት ቻይናዊት ዝተረኽበ ምዃኑ እታ መጽሔት ብተወሳኺ ትሕብር።

ቀንዲ ዕላማ ኣብ ላባራቶሪ ክሮና ቫይረስ ምፍራይ፥ እቲ ቫይረስ ነየኖት ዓይነት ዋህዮታት ናይ ወዲ ሰብ ከም ዘጥቅዕን ናይ ምብዛሕ ኣገባባቱን ንምጽናዕ ኮይኑ፥ ነዞም ዝተፈጥሩ ሳዕቤናት ከቃልሉን ክኣልዩን ክከላኸሉ ዝኽእሉ ቀመማት ንምድልው ዝሕግዝ እዩ። እዚ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት፥ ንክሮና ቫይረስ ከም መከላኸሊን ፈውስን ዝኸውን መድሃኒት ንምርካብ ዝሕግዝ ዓቢ ስጉምቲ ምዃኑ ይሕበር። ብኻልእ ወገን ኣብ እስፓኛዊት ደሴት ተነሪፈ፥ ኣብ ዝርከባ ሆቴላት ክልተ ሽወደናውያን ዝርከብዎም ኣጋይሽ ኣብቲ ሆቴል ከም ዝተወሸቡን እዚ ድማ ሓደ ጋሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ከም ዘሎ ሰብ መዚ እታ ደሴት ድሕሪ ምፍላጦም ምዃኑ ረድዮ ሽወደን ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com