Friday , April 26 2024

ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ብ ክለብ ስጳኛ ይህደን!!

ኤርትራዊ ሽወድናዊ ኣለክሳንደር ኢሳቅ ድሕሪ ብመልክዕ ልቓሕ ናብ ሆላንዳዊት ክልበ ዊልያም ክለተ ምስግጋሩ ብዘርኣዮ ጹቡቕ ጸወታታትን ዘመዝገቦ ሸቶታትን ኣብ የዕንቲ ዓበይቲ ክለባት ምውዳቑ እንሆ ሕጂ ድማ ብ ስጳኛዊት ክለብ ርያል ሶሰይዳ ይህደን ኣሎ። ድሮ እዛ ጋንታ ምስ ዋናኒቱ ዝኾነት ክለብ ዶርትመንድ ምዝርራባት ከምዝጀመረትን፣ ምስ ክለቡን ምስ ተጻዋታይን ኣብ ናይ ግሉ ጥቕምታት ኣብ ምርድዳእ ከምዘለውን ጋዜጣ እታ ክለብ ዲያሮ ቫስኮ ገሊጻ። እዚ ሓዱሽ ኢብራሂሞቪች ኢላ ዝሰመይቶ ኣብዚ እዋን ምስ ሃገራዊ ጋንታ ሽወደን ተጠርኒፉ ን ኣብ ሰነ 7 ዝግበር ጸወታ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ማልታ ንምዕጣም ኣብ ልምምድ ይርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com