Sunday , May 12 2024
(AP Photo/Elise Amendola, File)

ኣመሪካ . . . መጠን ዝቕባበ፡ 5.4% በጺሑ

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝነበረ ግዜ እንክወዳደር፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ዋጋ ኣቕሑ፡ ብ 5.4% ምውሳኹን  ካብ ክፍሊ ዕዮ እተረኽበ ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ብማእከላይ ገምጋም፡ 5.3% ወሰኽ ዋጋ ኣቕሑ ከረአ ከም ዝኽእል ክኢላታት ቊጠባ ሓቢሮም ምንባሮም ሮይተርስ ገሊጹ’ሎ። “እዚ ካብ ትጽቢት ወጻኢ እዩ ኔሩ፡ ግን ክንድዚ ፍልልይ የብሉን” ክብል ካብ ትካል ቊጠባዊ ጒዳያት ኣሜሪካ፡ ኤሚል ብሮዲን፡ ሓቢራ።

ዝቕባበ ዋጋ፡ ክጐድል እዩ ዝብል ተስፋ ብዙሓት እኳ እንተነበረ፡ ዋጋ ካልኣይ ኢድ መካይንን ጸዓትን ክብ ብምባሉ ቀንዲ ጠንቂ ኮይኑ ምህላዉ ድማ ተመልኪቱ። እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ካብ ለበዳ ዝበራበር ዘሎ ስራሕ፡ ንጠለብ ካልኣይ ኢድ መካይን ወሲኽዎ ምህላዉ እዩ።

ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ዋጋ ኣቕሑ ብ 5.4% ምውሳኹን እዚ ድማ ድሕሪ 2008 እቲ ዝበዝሐ ዋጋ ምዃኑ ተሓቢሩ። ኣብቲ ወርሒ ሓምለ፡ ሕመረት ዝቕባበ ማዕረቲ ዝተገብረሉ ትጽቢት ኣብ 4.3% ዝተወሰነ እዩ ኔሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com