Monday , May 13 2024

ኣባላት ኮሚሽን ኣውሮጳ ምስ መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ከተማ ኪሩና ተራኺቦም።

ኲሎም ኣባላት ኮሚሽን ኣውሮጳ፡ ከምኡ’ውን መላእ መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ሰሚናዊ ጫፍ ሽወደን ኣብ እትርከብ ከተማ ኪሩና ናይ መላለዪ ርክብ ይገብሩ’ለዉ። እዚ ርክብ ን ፕረሲደንትነት ሽወደን ኣብ “ኣውሮጳዊ ኮሚሽን” ኣመልኪቱ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣብዛ ብዕደና እተፈልጠት ኣርክቲካዊት ከተማ ኪሩና፡ ጸጥታ ሓዪሉ፡ ዕደና ኸኣ ንግዜኡ ክቋረጽ ተጌሩ ምህላዉን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

“ኣብ ኪሩና ሓደ ኣገዳሲ ፍጻመ ይካየድ ምህላዉ ጽቡቕ ነገር እዩ፡ ምኽንያቱ ከምዚ ሳሕቲ ጥራይ እዩ ዘጋጥማ” ክብል ተቐማጢ እታ ከተማ ኤሪክ ኤሪክሰን ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com