Friday , May 10 2024

ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ሓደ ሰብ ሞይቱ ጸኒሑ . . . . ቅትለት ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣሬታት ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ ደቡብ ስቶክሆሎም፡ ኡስትባርየ፡ ዝርከብ ክፍሊ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ ስለዝተረኽበ፡ ፖሊስ መባእታዊ መርመራታት ከምዝጀመረ ሓቢሩ።  

እታ ክፍሊ ድሕሪ ምኽላላ፡ ቴክኒሻናት ኣትዮም ስርሖም ጀሚሮም። ፖሊስ፡ እንታይ ከምዘጋጠመ ዝፈልጦ ነገር እኳ እንተዘይሃለዎ ፍጻመ ቅትለት ክኸውን ከምዝኽእል ግን ጥርጣሬታት ኣለዎም።

መልሲ ናይቲ ፍጻሜ፡ እቶም ቴክኒሻናት ክነግሩና እዮም ትብል ጋዜጣዊ ዋሃቢት ቃል ፖሊስ፡ ኢቫ ኒልሶን።

ፖሊስ፡ ተቐዳዲሙ ናብ መደምደምታ ክበጽሕ ከምዘይደሊ ድማ ብምውሳኽ ገሊጻ ክብል TT ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com