Wednesday , May 8 2024

ኣብ መእለዪ ጽዑቕ ሕክምና ቊጽሪ ተለኸፍቲ የንቈልቊል ኣሎ ተባሂሉ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ብኮሮና ተለኺፎም ናብ መእለዪ ጽዑቕ ሕክምና ዝመጹ ሰባት ቊጽሮም እናንቈልቈል ምምጽኡን እዚ ዝመጸ ብዝተወስደ ቅኑዕ ስጒምቲ ምዃኑ ተገሊጹ ክትብል ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢራ። ክኢላ ሕማማት ለበዳ ኣንደርስ ቲግኔል እዚ ኣብ ዝሓለፋ ራብዕቲ እተራእትየ ምዕባለ ኣዎንታዊ እዩ ክብል ገሊጽዎ’ሎ።፡

“ኣብዛ ሃገር ነፍሲወከፍ ዝፍጽሞ ተግባር ውጽኢት ክህልዎ ግድን እዩ” ካብ ሕማቕ ዝመስል ኲነታት ናብ ኣዎንታዊ ንጥምት ምህላውና ናይዚ ውጽኢት እዩ ኢሉ። ብመሰረት ኣሃዛት በዓልመዚ ጥዕና ኣብ ሽወደን 110 ሰባት ብሕማም ኮሮና ግዳያት ሞት ኮይኖም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com