Friday , May 10 2024

ኣብ ማእከል ኦሬብሮ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ ሓደጋ ባርዕ ተኸሲቱ

ኣብ ማእከል ከተማ ኦሬብሮ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ፡ ሓደጋ ባርዕ ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ኣባላት ፖሊስ መጺኦም ነቶም ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ካብቲ ቦታ ከምዝርሕቑ ገይሮም። ብሰንኪ ሓደጋ ባርዕ ዘስዓቦ ትኪ፡ ሓደ ሰብ ናይ ምስትንፋስ ሽግር ስለዘስዓበሉ ናብ ሆስፒታል ከምተወስደ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ሓበሬታ ናይ ሓደጋ ባርዕ ሰዓት 2፡14 ድ.ቐ. ከምዝበጽሖን ነቲ ባርዕ ናብ ካልኦት ህንጻታት ከይላባዕ ክጽዕር ከም ዘምሰየ SVT ሓቢሩ።

እቲ ባርዕ ኣብ ላዕለዋይ ክፍሊ ናይቲ መንበሪ ህንጻ ብምኽሳቱ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ብመንገዲ መሳልል (ኣስካላ) ኣቢሎም ናብቲ ክፍሊ ክኣትዉ ከምዝፈተኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ባርዕ ብቦሎፎን ኣቢሉ ናብ ምሉእ ክፍሊ ከም ዝተላበዐን ሓያል ከምዝነበረን ሃንስ ሊንድቡም ሓቢሩ።

ብሰንኪ ባርዕ ዝተኸስተ ትኪ ምኽንያት ብምግባር፡ ኩሎም ነበርቲ ናይተን ኣብ ማእከል ኦሬብሮ ዝርከባ ህንጻታት ካብ ኣባይቶም ብፖሊስ ከምዝወጹ ኮይኖም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com