Friday , April 26 2024

ኣብ ሜዲተራንያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ተሰዊራ ተባሂሉ።

ሰብኣውያን ውድባት ነዛ ቆልዑን ኣንስትን ዝርከብዎም 23 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ሰኑይ መዓልቲ ክደልዩዋ ምብጋሶም ተገሊጹ’ሎ።

ብምኽንያት ኣብ ሊብያ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሰኑይ መዓልቲ ካብዞም ስደተኛታት ናይ ርድኡና መልእኽቲ ከም እተሰምዐ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሰሉስ ንግሆ ሓደ ሰባኣዊ ውድብ እታ ጃልባ ደሃይ ካብ እተጥፍእ 33 ሰዓታት ምግባራ ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com