Monday , May 13 2024

ኣብ ሰሜን ሽወደን ዝርከብ ዝነበረ ፋብሪካ ብሓደጋ ባርዕ ዓንዩ

ኣብ ሰሜን ሽወደን እትርከብ ኤልቪስቢን (Älvsbyn) ዝተባህለት ከተማ ተደኲኑ ዝነበረ ፋብሪካ ፑላርብረድ (Polarbröd) ብሓደጋ ባርዕ ከምዝዓነወ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ሓደጋ ባርዕ፡ ትማሊ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ከም ዝጀመረን ካብ ቁጽጽር ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ብምውጻእ ክሳብ ሎሚ ናይ ንግሆ ቀጺሉ። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ ፋብሪካ ምሉእ ብምሉእ ምዕናዊ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ነበርቲ፡ ካብቲ ፋብሪካ ክምንጩ ካብ ዝኽእል መርዛማዊ ትኪ ንምክልኻል፡ ማዕጾታትን መሳኹትን ክዓጽዉ ከምዘለዎም፡ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ኣዘኻኺሩ።

ሰብ መዚ እታ ከተማ፡ ንሎሚ ሰኑይ፡ ኣብ ማእከል’ታ ከተማ ዝነበረ ብምሉኡ ንጥፈታት ናይ ቤት ትምህርቲ፡ መዋእለ ህጻናት፡ መዘናግዒ ቦታታት፡ ናብታ ከተማ ዘእትዉ መንገድታትን ካብን ናብን  ቡደንን (Boden)  ዮርን (Jörn) ዝነበሩ መስመራት ጉዕዞ ከምዝዓጸዉ ሓቢሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com