Saturday , May 11 2024
ቅርጺ ክሮና ቫይረስ ስእሊ፥ ማእከል ምክልኻል ሕማማት , EPA / TT

ኣብ ሽወደን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና የንቈልቊል ኣሎ ተባሂሉ።

ኣብ ሽወደን ምስፍሕፋሕ ኮሮና ኣዝዩ ልዑል እኳ እንተሎ ኣብ ዝሓለፋ ቀረባ ሳምንታት ምንቊልቋል ከም ዘርኣየ ንጥዕና ሽወደን ኣመልኪቱ ዳታ ካብ ዝእክብ ትካል CSS ክፍለጥ ተኻኢሉ። መጠን ዝልከፉ ሰባት ኣብ ዝበዝሑ ዞባታት ምንቊልቋሉ ዝገለጸ ሓላፊ እቲ መጽናዕቲ ፖል ፍራንክስ እዩ። ድሕሪ ትንሳኤ ብፍላይ ርኡይ ምንቊልቋል ተለከፍቲ ከም እተመዝገበን ድማ ተመልኪቱ። ኣብዚ መጽናዕቲ 172 ሽሕ ሰባት ብወለንታ ምስታፎምን ነቲ ኣፕሊኬሽን ብዛዕባ ጥዕናኦም ብስቱር ሓበሬታ ምሃቦምን ዝፍለጥ ኮይኑ እቶም ሰባት በቲ ዘርኣይዎ ምልክታት ከም እተገምገሙ ተሓቢሩ’ሎ።

እዚ ኣገባብ መርመራ ብ ተመራመርቲ ኪንግስ ኮሌጅ ላንደን ዝማዕበለ ኰይኑ ኣብ መጽሔይ ሳየንስን ኔቸርን ተሓቲሙ ንንባብ በቒዑ እዩ። ሽወደን ምስ እንግሊዝ ብምውድዳር ልዑል መጠን መልከፍቲ ከም ዘለዋን እቲ መርመራ ካብ 20-69 ንዝዕድሚኦም ጥራይ ከም ዝምልከትን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ። ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ 2% ካብ ህዝቢ ሽወደን ተለኺፉ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። ኣብ ዞባ ስቶክሆልም እዚ መጠን 2.9% ኣብ ስካነ 1.3% ኣብ ቻስትራን ጉትላንድን ከኣ 2.3% እዩ። ንሀርድ ኢምዩኒዪ ኣመልኪቱ “ሽወደን ሀርድ ኮምዩኒቲ እተመዕብለሉ ደረጃ ጌና ኣይበጽሐትን” ክብል ፍራንክስ ኣስሚርሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com