Saturday , May 11 2024

ኣብ ሽወደን ብ ኮሮና ቫይረስ ዝተለክፈት ሰብ ምርካቦም ሰብ መዚ ጥዕና እዛ ሃገር ኣፈሊጦም።

ሰብ መዚ ጥዕና ሽወደን ትማሊ ብኮሮና ቫይረስ ዝተጥቕዔት ናይ መጀመርያ ሰብ ኣብ ከባቢ ዮንሽፒንግ  ምርካቦም ኣረጋጊጾም። ብመሰረት ሓበሬታ ሰብ መዚ ጥዕና እዛ ግዳይ ዝኾነት ሰብ ቅድሚ ውሕዳት ሰሙናት ናብ ቻይናዊት ከተማ ዊሃን ገይሻ ከምዝነብረት ናብዚ ቦታኣ ዕለት 24 ጥሪ ኣብ ዝተመልስትሉ እዚ ምልኽት ክርኣያ ብምኽኣሉን፣ ኣብዚ እዋን  ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ከተማ ዮንሽፒንግ ዝርከብ ሆስፒታል ሪሆቭ ተዓቒባ ከምዘላ ገሊጾም። ድሕሪ ቡዙሕ መረመራ ጸገም ምስትንፍስ ከምዝጋጠማን ስዓል ረሲን ዝኣመሰሉ ምልክታት ድሕሪ ምርካቦም ናይ መጅመርያ ሰብ በዚ ሕማም ዝተለኽፈት ኣብ ሽወደን ከምዝረኸቡ እዞም ሰብ መዚ ኣፍሊጦም።

እዚ ግዳይ ዝኾነት ሰብ ኣብ ደሓን ኩነታት ከምትርከብ ዘላቶ ኩነታት ድማ ከቢድ ከምዘኮነን ንሕጂ ግን ኣብ ውሱን ቦታ ተገሊላ ሕክምንኣ ትከታተል ከምዘላ ሓደ ካብ በዓል መዚ ጥዕና ዝኾነ ካረን ቲግማርክ ኣፍሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com