Saturday , May 11 2024

ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ተራእዩ

ኣብ ካርልስኮሮና ዝርከብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝሰርሑ 6 ኣባላትን 7 ተናበይትን ብቫይረስ ኮሮና ከምተለኽፉ ምምሕዳር ካርልስኮሮና ሓቢሩ ክብል SVT ገሊጹ።

መንነት ናይታ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ክጠቅስ ዘይደለየ፡ ምምሕዳር ካርልስኮሮና፡ ንኹሎም ኣባላትን መቕርቦምን ክሕብር ምዃኑ ገሊጹ።

ስም ናይታ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ብምስጢር ክተሓዝ ስለዝግባእ ኣይክንሕብርን ኢና፡ ንእሽቶ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ምዃና ግን ክንሕብር ንኽእል ኢና ክትብል ኣብ ምምሕዳር ካርልስኮሮና፡ ምክትል ሓላፊ ምሕደራ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ካሪና ሶርንኮዊስት፡ ገሊጻ።

ካብቶም ዝተለኽፉ ሰባት፡ ሓደ ጥራይ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንኽረክብ ናብ ሆስፒታል ክኸይድ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብቲ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ክጸንሑ እዮም። ክሳብ ሕጂ ተፈሊጦም ዘለዉ 13 ዝተለኽፉ ሰባት ከምዘለዉን ተወሳኺ ውጽኢት መርመራታት ንጽበ ኣለናን ክትብል ስርንኮዊስት ሓቢራ።

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ኣስፋሕፊሑ ብምህላዉ፡ ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ሶሊኹ ዝኣተወሉ ኣገባብ ንምፍላጥ ዘሸግር እዩ። በጻሕቲ ተኸልኪሎም ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ እቲ ለበዳ ብመንገዲ ሰራሕተኛታት ኣቢሉ ናብቲ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ኣትዩ ክኸውን ይኽእል እዩ ክትብል ስርንኮዊስት ዘረባኣ ዛዚማ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com