Friday , April 26 2024

ኣብ እዋን ኮሮና ክንክን ጥዕና ኣእምሮ ዝደልዩ መንእሰያት ቊጽሮም ምውሳኹ ተገሊጹ

 ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም ናይ ኣእምሮ ክንክን ዘድልዮም መንእሰያት ቊጽሮም ወሲኹ ምንባሩ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ኣብ ማእከል ሕማማት ለበዳ ሓላፊት ኮማዊ መድሃኒት፡ ኣን ኡላይስ፡ ንምውሳኽ እዚ ሕማም ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ መንእሰያት ዘይከም ሽማግለታት፡ ዲጂታላዊ ክንክን ብቐሊሉ ዝሓቱሉ ኣገባብ ብምህላዉ እዩ ኢላ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ኣብ መንእሰያትን ቈልዑን ካብ 18-69 ዝዕድሚኦም ዘሎ መጠን ጠለብ፡ ምውሳኹ ድማ ኣመልኪታ። ካብ 70 ንላዕሊ ዝዕድሜኦም ዝረኽብዎ መጠን ክንክን ምጒዳሉ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ።

ከም ዝመስለኒ ሳዕቤናት ኣእምሮኣዊ ጥዕና እዚ ለበዳ ጽንሕ ኢሉ ምምጽኡ ኣይተርፎን እዩ። ብፍላይ ምስ ምውሳኽ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ኣብ ቊጠባ ዝህሉ ጸቕጥን ብዛዕባ መጻኢ ዝህሉ ዘይውሕስነትን ነዚ ከጋድዶ ይኽእል እዩ  ክትብል ኡሊስ ትገልጽ።

ዝርዝር ናይቲ ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

ካብ ባሕቲ መጋቢት ክሳብ 30 መስከረም 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ 15266 ትሕቲ 17 ዝዕድሜኦም ሰባት ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ መባእታ ክንክን ጥዕና ኣእምሮ ሪፖርት ምግባሮም ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዓመተ 2019 እቲ ቚጽሪ 13,121 እዩ ኔሩ። እዚ ማለት እቲ ቊጽሪ ካብ 2.5% ናብ 2.9% ወሰኽ ጌሩ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ባሕቲ መጋቢትን 30 መስከረምን 2020 170,771 ዕድሜኦም ካብ 18-69 ዘሎ ውልቀሰባት ናብ መባእታዊ ክንክን ጥዕና ስቶክሆልም ጸብጻብ ጌሮም ኣለዉ። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት 2019 እዚ ቊጽሪ 166, 954 እዩ ኔሩ። እዚ ማለት ዕድሜኦም ካብ 18-69 ኣብ ዝኾኑ ካብ 10.7% ናብ 10.8% ወሲኹ ኣሎ።

ካብ ባሕቲ መጋቢት ክሳብ 30 መስከረም 2020 ኣስታት 42, 286 ሰብዓ ዝዕድሜኦም ሰባት ናብ መባእታዊ ክንክን ጥዕና ኣእምሮ ስቶክሆልም ጸብጻብ ጌሮም ኔሮም። ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዓመተ 2019 እቲ ኣሃዝ 43,080 እዩ ኔሩ። እዚ ድማ ካብ 16% ናብ 15.3% ምጒዳል ምርኣዩ ዝሕብር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com