Monday , May 13 2024

ኣብ ከተማ ማልመ፡ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ናይ ዕንወት ተግባራት ኣጋጢምዋ

ኣብ ከተማ ማልመ እትርከብ ቤተ ክርስትያን፡ ቬስትራ ስክራቭሊንየ (Västra Skrävlinge)፡ ብሰንክኒ ዘጋጠማ ናይ ዕንወት ተግባር፡ 30 ዝኣኽሉ ቬትሮ ናይ መሳኹቲ ከምተሓምሽሹን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ዝነበሩ ሃይማኖታዊ ሓወልታት ከምተሰብሩን መርበብ ሓበሬታ TT ሓቢሩ።

ቤተ ክርስትያን፡ ብኣርባዕተ መንደቕ ዝተሰርሐ ህንጻ ጥራይ ዘይኮነ፡ መንፈሳዊ ርግኣትን ሰላምን ዝረኽበሉ ቦታ እዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ፍጻሜ ድማ ንሸውዓተ መዓልታት ዝቐጸለ እዩ። ኣብ ልዕሊ ሰባት ፍርሂ፡ ሓዘንን ተስፋ ምቑራጽን ዘስዕብ እዩ ክብል መራሕ ሃይማኖት ዝኾነ ሚካኤል ዮስ ንመርበብ ሓበሬታ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።

ተግበርቲ ናይቲ ፍጻሜ መን ምኻኖም ዝተፈልጠ የለን። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እታ ቤተ ክርስትያን ብፖሊስ ተኸቢባ ምህላዋ እቲ መራሕ ሃይማኖት ብምውሳኽ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com